ናብ ኣዲስኣበባ ዝገሹ ኤርትራውያን በጻሕቲ ብጥርጠራ ክረኣዩን፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ዝመጽሉ ሃገር ከምዝምለሱ ኽግበርን ጀሚሩ። ሰብ መዚ መዓርፎ ነፈርቲ ቦለ ንገለ ናብ ኣዲሳበባ ንመገሻን ስድራቤት ኽሪኡን ዝመጽኡ ኤርትራውያን ናብ ዝመጽሉ ቦታ ሻቡ ኽምለሱ ክእዝዎም ይረኣዩ ኣለዉ።
እቶም ኤርትራውያን በጻሕቲ ንምንታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ-መጽዮም፡ ንሓደ ብገበን ዝተጠርጠረ ሰብ ዝቐርቡ ተረርቲን መስቀላውያንን ሕቶታት ይቐረበሎም ናይ ንዕቀትን ጽለኣትን ዝመስል ኣተሓሕዛ ድማ ይግበረሎም ከምዘሎ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘመልክት።
ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዘለውን ናብ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝበጽሑን ኤርትራዉያን ዝጸንሐ ፍሕሹው ኣጠማምታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሃሰሰ ኪመጽ ምጽንሑ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ወገናትና ድማ ኣብ ዉልቃዊ ይዂን ንግዳዊ ንጥፈታቶም ጥንቃቐታት ከቐድሙ ከምዝግባእ ብተደጋጋሚ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።
ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ መን ከይትንክንፈና መንፈስ ኣጥርዮም፡ ንምስሊን ድሕነትን ናይ ዝበዝሐ ወገን ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ንጥፈታት ከተግብሩ ክደፍሩ ብምጽንሖም ህዝቢ ኣዲስኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝጸንሖ ኣኽብሮት ንኽሃስስ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ይፍለጥ።
እዚ ምስቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ጸጥታዊ ኣጠማምታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደሚሩ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ሓለፋ ግዳይ ኪገብር ከምዝኽል እዉን ምፍላጥ የድሊ።
ብዙሓት ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ፡ ኩነታት ከምቲ ኣብ እዋን ምዉቕ ምሕዝነት ኣቢይን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝነበሮ ከይተቐየረ ይቕጽል ይመስሎም ከምዘሎ እዉን ምንጭታት ካብታ ከተማ ከጠንቅቚ ጸኒሖም እዮም።