ህግደፍ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብር ኤርትራዊ ስድተኛታ ኣብ ሓደጋ ንምዉዳቕ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜናኡ ከምኡ፡ዉን መልእኽተኛታቱ ዘሰንብዱ ወረታት ክነዝሕ ጀሚሩ ።
እቶም መሓዉራት ህግደፍ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበረቲ ኣዲስ-ኣበባ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላሊይዎም ከምዘሎን ናብ ዝቐረበሎም ሃገር ኪሃድሙ ከምዘለዎምን ዘተሓሳስብ ዝተፈራረቐ መጠንቀቕታ ኣብ ምርባሕ ወፊሮም ከምዘለዉ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
እቶም መሓዉራት ህግደፍ ስደተኛታት ክንዲ ከም ስደተኛ ዘቚጽሮም ስነምግባር ሓልዮም ድሕነቶም ኪሕልዉ ዝመኽሩ፡ ናብ ዝቐረበልኩም ህደሙ ዝብል ዘረባ ኣንቂሎም ኣብ ዉጹእ ጥርጣረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሸሙዎም ኣለዉ።
ኩሉ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብር ኤርትራዊ ክሳብ ሕጋዊ ሰነዳቱ ሒዙ ፣ ከም ስደተኛን ዑቕበኛን ከማልኦ ዝግባእ ቅጥዒ ሓሊዩ ዝኸደ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኪበጽሖ ዝሕኽእል ሓደጋ የለን። ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ – ንመግለጺታትን መጠንቀቕታታትን ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ህግደፍ ኣሚኖም ኪረባበሹን ኪሃድሙን እንተተራእዮም ግን፡ እንታይ ዘህድም ነገር ስለዝፈጸሙ እዮም ዝብል ገዚፍ ጥርጣሬ ኣብ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከስርጽ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።
ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ መን ከይትንክንፈና መንፈስ ኣጥርዮም፡ ንምስሊን ድሕነትን ናይ ዝበዝሐ ወገን ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ንጥፈታት ከተግብሩ ክደፍሩ ብምጽንሖም ህዝቢ ኣዲስኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝጸንሖ ኣኽብሮት ንኽሃስስ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ይፍለጥ። እዚ ምስቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ጸጥታዊ ኣጠማምታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደሚሩ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ሓለፋ ግዳይ ኪገብር ከምዝኽል እዉን ምፍላጥ የድሊ።
ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኢትዮጵያ ካብ ጸርጊ ናይዚ ኣቢን ኢሳያስን ነናይ ዉልቆም ጥቕሚ ንኽሕልዉ ብቕልጡፍ ዘሐሽርዎ ዘለዉ ኩነታት ኽገላገሉ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ይዂን ንመሰል ስደተኛነቶም ኣብ ሓደጋ ዘዉድቕ ተግባር ከርሕቚ ኣገዳሲ እዩ