ድሕሪ ዉዕል ፕሪቶርያ  ካብ ህዝቢን ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ክመጾ ዝኽእል ጸቕጢን ጠለብን ኣፍሪህዎ ኣብ ስቅቕታ ዝጸንሐ ህግደፍ ንህዝቢን ሰራዊትን ኣብ ቀጻሊ ኲናት ቈሪንካ ቀጻልነት ስልጣን ንምውሓስ ሓድሽ ግጭት ክጽሕትር ምዃኑ ክወሃብ ዝጸንሐ እመታ ሓቅነት እንዳለበሰ ይመጽ ኣሎ።

ኢሳያስን ኣቢይን ድሕሪ ምድኻም ወያነ ኪቃደዉ ከምዘይከኑ ኣንዳዕዲዖም ፈሊጦም ከምዝተመሓዘዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ምሕዝነቶም ክሳብ’ቲ ዘራኸቦም ጉዳይ ዝጻፈፍ ጥራይ ዝጸንሕ ብምንባሩ ኣብ ጉዕዞ እንዳተቐዳደሙን እንዳተጐራርሑን እዮም ክመጹ ጸኒሖም።

እቶም ክልተ መራሕቲ ድሕሪ ምድቓቕ ናይ ሓባር ጸላኢኦም  ናብ ዲቕ ዝበለ ንኩነታት እዚ ዞባ ፈጺሙ ዝቕይር ኲናት ኪኣትዉ ምዃኖም ብሓያሎ ወገናት ክእመት ጸኒሑ እዩ።

እቶም ክልተ መራሕቲ ኣኣብ ሃገሮም ብዘቤታዊ ጸቕጢ ዓቕሊ ኣጽቢቦም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኾይኑ እቲ ብምስምስ ምምካት ግዳማዊ ተጽብኦ ዕምሪ ስልጣኑ ዝሕሉ ኢሳያስ ኣፈወርቂን እቲ ከም ዝሓለፉ ስርዓታት ሃገሩ “ንህዝቢ ኢትዮጵያ ባሕሪ ከወንነካ’የ እንተይለዮ ሓቢሩ ኪስዕበኒ’ዩ” ዝብል እምነት ዝዉንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ስልጣኖም ንምቕጻል ክዉፍርዎ ዝኽእሉ ኣማራጺ ኲናት ጥራይ ከምዝመስል ዕለታዊ ይጎልሕ ኣሎ።

እቲ ኣብ 2018 ዝተመስረተ ህዉኽ ፍቕሪ ኢሳያስን ኣቢይን ዝኾነ መሰረት ዘየውሓሰ ወቕታዊ ብምንባሩ፡ ጉዳይ ህወሓት ምስ ኣኽተመ ካልእ መዘዝ ጎቲቱ ኪመጽእ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኽንሕብር ጸኒሕና ኢና።