ኣብ ኤርትራ ሰላማዊ ደሞክራስያዊ ስግግር ኪህሉ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ሕጨጫ ጥራይ ምዃኑ ዝተረድኦ ደንበ ፍትሒ ፡ ስርዓት ናይ ምቕያር ዕላማ ሒዙ ኣንቂልዎ ዘሎ ሓድሽ ቃልሲ፡ ንባህጊ መላእ ሓፋሽ ከግህድ ተበጊሱ ዘሎ ቃልሲ ብምዃኑ፡ ንህግደፍ ሓለፋ ኣሸቚሪሩ ኣሎ።

መንእሰያቱ ኣምሪሑ ናብ ተግባራዊ ቃልሲ ግዒዙ ዘሎ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ፡ ነቲ ኣብ ውሻጠ ኾይኑ ህዝቢ ዘሳቒ ሽምጉል ስርዓት ዕምሩ ንምሕጻር ዝጭበጥ ዓወታት የምዝግብ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኾይኑ፣ ድሮ’ኳ ነቲ ህግደፍ ዕምሩ ከናውሕ ኣብ ስደት ንዝነብር ህዝብና ንምምዝማዝ ዝጥቀመሉ ዝነበረ መሓዉር ኣብ ምልማስ ዘይነዓቕ ውጽኢት ኣስሚሩ ኣሎ።

ነቲ ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ንዓመታት ብዘይዝኾነ ብድሆ ፡ ምዝመዛኡ ከካይደሉ ዝጸንሐ ደጀን፡ ኣብ ሒደት ሰሙናት ሎኪቱ ዘሎ መንእሰያዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ኣብ ውዳቤታቱን መርሓታቱን ዘመዝግቦ ዘሎ ገስጋስ፡ ነቲ ካብ ህዝቢን መንእሰይን ኤርትራ “ስርዓት ምቕያር” ዝብል ሓሳብ ፍጹም ኪብገስ ኣይክእልን እዩ ኢሉ ዘሽካዕልል ዝነበር ህግደፍ፡ ሕጂ ፡ ህግደፍ ፍትሓዊ ክኸውን ዘይኮነ፡ ካብ ስልጣን ጥራይ ከልግስ ዝጠልቡ ተበዓት መንእሰያት ለውጢ ተፈጢሮም ብምህላዎም፡ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይርከብ ኣሎ።

ነዚ ምስ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመሻጠረሉ ዘሎ ኲናት ፣ ልዕሊ ኣቢይ ኣሕመድ ተመንዩዎን ዝህንጠየሉን ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ እዩ። እቲ ምንታይ ካብ’ዚ ዝመጾ ዘሎ መንእሰያዊ ማዕበል የናግፈኒ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ እንኮ ኣማራጺ ፡ ኲናት ምስ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ስለዝኾነ።

ኩለን ኣብ ውሽጢን ግዳምን ዝነጥፋ ዘይወግዓውያን መሓውራት ጐስጓስ ህግደፍ ዝነዝሕኦ ዘለዋ ፕሮፖጋንዳን ኣብ ልዕሊ ኣቢይ ኣሕመድ ዘዝንብኦ ዘለዋ ተዂተዂቲ ዘለፋታትን ህግደፍ ነዚ ኲናትን ነገርን ክሳዕ ክንደይ ሓለፋ ደሊይዎ ምህላዉ ዝነጽሩ ናይ ቀረባ ኣብነታት እዮም።
ነዚ ብምርዳእ፡ ደንበ ፍትሒ ካብ’ቲ ነቒልሉ ዘሎ ተግባራዊ ናይ ለውጢ ዕላማ ፍንትት ከብልዎ ተባሂሎም ንዝህንደሱ ጓል-መንገዲ ብኣጋኡ ከቕልበሎምን ተሳጊርዎም ኪምርሽን የድሊ።