ኣቐዲሙ  ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቦታ ንምውሓስ ብሰላማዊ ይኹን ብሓይሊ ክንወፍር ኢና ክብል ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ  ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ሃገራዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ዲፕሎማስያዊ ቃላት ኪጥቀም መሪጹ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘረባኡ ናብ ኣሕዋትና ህዝብታት እዚ ዞባ ቃታ ክንስሕብ ኣይኮናን ክብል እዩ ተሰሚዑ ።

ኣብቲ ሓይሊን ቈመናን ኢትዮጵያ ንምምስካር ታህዲድ ዝመስል ዉዳቤታት ዝተቓንዓሉ ሃገራዊ በዓል ዝተራእየ ወተሃደራዊ ምርኢት ግን፡ ነቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብጉዳይ ዋንነት መስኰት ባሕሪ ከስምዖ ዝደፈረ ድሌት ብተግባር ከሰንዮ ተቐሪቡ ከምዘሎ መልኽቲ ንምትሕላልፍ እዩ ዝመስል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ዛጊት ዘርኣዮም ተቐያየርቲ ባህርታት ከም መወከሲ ወሲድካ  እዚ ሕጂ ሂብዎ ዘሎ ዝረባ ንምእማኑ ቀሊል ኣይከውንን። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንባህሪ ናይቲ ቀልጢፉ ዝተመሓዘዎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብልክዕ ለቢሱ  ንብዙሓት ብጾቱ ኪጠልምን ክቕንጽልን መብጸዓታቱ ሓኺኩ ንመላእ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላዊ ትፍፍን ኽሸማ ሕጂ ድማ ብሰሪ ሕመቚ ናብ ምሉእ ውድቀት ተቓሪባ ዘላ ንሃገሩ ትንፋስ ንምስኳዕ ፡ ባሕሪ ዝብል ሓድሽ ድራማ ሃንዲሱ ምስ መሓዝኡ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ጸወታ ኲናት ክጻወት ይዳሎ ከምዘሎ ንኹሉ ንጹር ኮይኑ ይርከብ።

ሻቡ ንምፍላጡ ብዙሕ ዘየጸግም ናይ ምስሉይነት ባህሪ ዘንጸባርቕ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ክልላት ዓፋር ኣምሓራን ትግራይን ድሮ ኣመስኪርዎ ዘሎ ጥልመት ከም ናይ ቀረባ ኣብነት ኪውሰድ ዝከኣል እዩ።

ኢሳያስን ኣቢይን ድሕሪ ምድኻም ወያነ ኪቃደዉ ከምዘይከኑ ኣንዳዕዲዖም ፈሊጦም ከምዝተመሓዘዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ምሕዝነቶም ክሳብ’ቲ ዘራኸቦም ጉዳይ ዝጻፈፍ ጥራይ ዝጸንሕ ብምንባሩ ኣብ ጉዕዞ እንዳተቐዳደሙን እንዳተጐራርሑን እዮም ክመጹ ምጽንሖም ካብዚ እዋናዊ ምዕባለታት ንምግንዛብ ኣየጸግምን።

እቶም ክልተ መራሕቲ ኣኣብ ሃገሮም ብዘቤታዊ ጸቕጢ ዓቕሊ ኣጽቢቦም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኾይኑ እቲ ብምስምስ ምምካት ግዳማዊ ተጽብኦ ዕምሪ ስልጣኑ ዝሕሉ ኢሳያስ ኣፈወርቂን፣ እቲ ከም ዝሓለፉ ስርዓታት ሃገሩ “ንህዝቢ ኢትዮጵያ ባሕሪ ከወንነካ’የ እንተይለዮ ሓቢሩ ኪስዕበኒ’ዩ” ዝብል እምነት ዝዉንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ስልጣኖም ንምቕጻል ክዉፍርዎ ዝኽእሉ ኣማራጺ ኲናት ጥራይ ከምዝመስል ዕለታዊ ይጎልሕ ኣሎ።