ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንዓባይ ከተማ ንያላ ናይ ዞባ ደቡባዊ ዳርፉር ካብ ሰራዊት መንግስቲ ከምዝመንዝዑ ሓቢሮም። ንመራሒ እቶም ሓይልታት መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ (ሕሜቲ) ሓዉ ብዝኾነ ዓብደልራሒም ደጋሎ ትምራሕ ኣሃዱ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ንሰለሰተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየደቶ ውግእ፡ ንወተሃደራዊ መዓስከር’ቲ ነታ ከተማ ዝሕሉ ዝነበረ ክፍለሰራዊት 16 ድሕሪ ምቊጽጻሮም እዮም ብዛዕባ እቲ ዓወት ሓቢሮም።

እዚ ወተሃደራዊ ገስጋስ ዘተ ሰላም ጂዳ ዳግማይ ተጀሚሩ ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ናብ ስዑዲ ኣምሪሖም ኣብ ዘለውሉ እዋን እዪ።
ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ካብ ምጅማር እዚ ወርሒ፡ ነታ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋን ምስ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትዳወብን ካልኣይቲ ዝዓበየት ሱዳናዊ ከተማ ንያላ ንምሓዝ ኣብ ጽዑቕ ወፈራ ምጽንሑ ይንገር። ዳዕመልሰሪዕ ንመሪሕነት ዞባ ደቡባዊ ዳርፉር ንምዕላው እዉን ካብ ኩሉ ሸነኻት እታ ዞባ ናይ ቀቢላ ዕጡቓት እንዳመልመለ የውፍር ምህላዉ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

ክፍለሰራዊት 16 ዋና ‘እዚ’ ናይቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ብምዕራባዊ ክንፊ ዝፍለጥ ኣሃዱ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኾይኑ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ኣብ ልዕሊ እቲ ገዚፍ ኣሃዱ ዓወት ምምዝጋቦም ፡ ነቲ ምስ ግዜ ዝሕይል ዘሎ ወተሃደራዊ ቈመናኦም ዘረጋግጽ እዩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ዳርፉር ዝኾነት ኣልፈሽር እዉን ከቢድ ዉግእ ይካየድ ከምዘሎ ኣብታ ከተማ ንዝዓስከረ 6ይ ክፍለሰራዊት ንምድቓቕ ብሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ዝተገብረ ፈተነ ግን ከመይሰለጠ  ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ሓቢሩ ኣሎ።

ናይ ከተማ ንያላ ዓወት ዳዕመልሰሪዕ ፡ ነቲ ኣብ ጅዳ ዳግም ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ከቢድ ዕንቃፋት ኪፈጥር ምዃኑ እዉን ብዙሓት ወገናት ይግምቱ ኣለዉ።