ህግደፍ ነተን ባዕሉ ዘውፈረን ዘይወግዓውያን መሓውራት ዜና ብተራን ግዱሳት ውልቀሰባት ዝተመስረታን ዝምእዘናን ምዃነን ንህዝቢ ንምትላል ይጓየ ኣሎ።
እንታይ ይጽሕፋን መዓስ ይጽሕፋን ካብ ህግደፍ እንዳተኣዘዛ ዝነጥፋ እተን መሓዉራት፡ ኣብዚ ሓድሽ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብዛዕባ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ክብላ ከምዘለወን ትሕዝቶታት ተዓዲለን ይጉስጒሳ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ በተን መሓዉራት ዝወጽእ ሓበሬታ ህግደፍ ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ከምዘይከዉን ንምርዳእ እዩ ዋንነቱ ከምዘይኮና ብወግዒ ዝሕብር ዘሎ ።
ኢምባሲ ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ንስም ሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወፈረ ዘይወግዓዊ መሓዉር ዜናኡ ጠቒሱ ናይ ተራ ዜጋታት ማዕከን እምበር ምስ ህግደፍ ዘቃርብ ከምዘይብሉ እዩ ኣብሪሁ።
ህግደፍ ካብተን ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ነብሱ ዝግልለሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ብመንገደን ጽዑቕ ኲናትን ራዕዲን ፕሮፖጋንዳ ከቃንዕ ወጢኑ ስለዘሎ እዩ።
ምስ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመሻጠረሉ ዘሎ ኲናት ልዕሊ ኣቢይ ኣሕመድ ተመንዩዎን ዝህንጠየሉን ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ። እቲ ምንታይ ካብ’ዚ ዝመጾ ዘሎ መንእሰያዊ ማዕበል የናግፈኒ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ እንኮ ኣማራጺ ፡ ኲናት ምስ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ስለዝኾነ።
ኩለን ኣብ ውሽጢን ግዳምን ዝነጥፋ ዘይወግዓውያን መሓውራት ጐስጓስ ህግደፍ ዝነዝሕኦ ዘለዋ ፕሮፖጋንዳን ኣብ ልዕሊ ኣቢይ ኣሕመድ ዘዝንብኦ ዘለዋ ተዂተዂቲ ዘለፋታትን ህግደፍ ነዚ ኲናትን ነገርን ክሳዕ ክንደይ ሓለፋ ደሊይዎ ምህላዉ ዘነጽሩ ናይ ቀረባ ኣብነታት ምዃኖን ሓቢርና ኢና።