ዉዳቤታቱ ኣብ ምሕያል ዘየዕረፈ መንእሰያዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ሕጂ’ዉን ኣብ ከተማ ሮማ ናይ ጥልያን ጨንፈሩ ብወግዒ መስሪቱ ኣሎ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ማዕበል ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ልሒሙ ኣብ ዝበዝሓ ከተማታት እተን ሃገራት ጨናፍራት ቈይመን ኣባላተን ኣነጺረን ምህላወን  እዚ መእንሰያዊ ንቕሎ ነዊሕ ፖለቲካዊ ራኢ ዝውንን ከምዝኾነ ይምስከር ኣሎ።

መርበባዊ ቊመና ሒዙ ዘሎ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ውዳቤኡ ኣወርጺጹ ዓለምለኻዊ ዝርግሐ ንምርግጋጽ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ኾይኑ መሳርዑ ኣብ ምድልዳል ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ደገፍ ኩሉ ኣባል ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ የድሊዮ።
ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ወገን ከይኮነ ኣብ ሑቕፊ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኾይኑ ንኽግስግስ ዘኽእሎ መስመር ኣብ ምንጻር ዓቲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ውዕሎ ጊሰን ህላዌኡ ዘነጸረ ብርጌድ ንሓመዱ ፈለማ ኣብ ሽወደን፡ ጀርመን፡ በልጁም፡ ብሪጣንያ ፡ ሆላንድ፡ ስዊዘርላንድ ፡ ፈረንሳ: ኖርወይ፡ ዴንማርክ ፡ ጨናፍር ኣስሚሩ – ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን : እስራኤል፡ ኡጋንዳ፡ ከምኡ’ዉን ኣውስትራልያ ተገቲሩ ይርከብ።

ቅርጺን ቊመናን ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ምስ ግዜ እንዳተደላደለ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝነጥፋ ጨናፍራት ናይ ባዕለን ክፍልታት መሪሕነት ፋይናንስ፡ ጸጥታ፡ ሕጊን ጐስጋስን ወኒነን  ኣብ ባይቶ ዓለምለኸ ብርጌድ ንሓመዱ ብኽልተ ኣባላት ኪዉከላ ንምኽኣል ኣብ ጽዑቕ መስርሕ ይርከብ።

ኣብ ፈለማ ህግደፍ  ንቕሎ ብርጌዳውያን ናይ ጎነጽን ደምነትን መስሊዎ፡ ተረጋጊኡ ነቲ ኩነታት ምስ ህዝቢ ኪፋተወሉን እዩ ሓሲቡ ኔሩ። እንተኾነ ዕላማ እቲ መንእሰያዊ ማዕበል ዕለታዊ እንዳተነጸረን ህዝባዊ ተቐባልነቱ እንዳተዓጻጸፈን ምስ መጸ እቲ ናይ ምልኪ ጉጅለ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዩ ብዛዕባ እቲ ስሙ ኣልዒልዎ ዘይፈልጥ ደንበ ፍትሒ ብተደጋጋሚ መግለጺ ካብ ምውጻእ ኣየዕረፈን።

መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ነቶም ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ዝግሕጠሎም ዓይኒ-ማያት ንምድፋን ኣማስያኡ ከኣ ንኹሎም መሓዉራት እቲ ጉጅለ ንምምህማን ቀዳማይ ዕላማኡ ጌሩ ብተግባር ነቒሉ ገዘፍቲ ዓወታት ከምዘመዝገበ ዝፍለጥ ኾይኑ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ቃልሱ ብዝተወደበን ዝወርጸጸን መንገዲ ንምዕዋት ኣብ ከቢድ ስራሕ ተሸሚሙ ኣሎ።

ስለዝኾነ መራኸቢ ብዙሓን ደንበ ፍትሒ ኣብ ምዕዋትን ምውሃድን’ዚ ዓለምለኻዊ ዉዳቤ ዘሐይል ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ልዑልን ሓላፍነታዊን ተራ ኪጻወታ ኣብ ምቅላዕ’ቶም ህግደፍ ኣንጻር ብርጌዳውያን ዝነዝሖም ጸለመታት ዓቲበን ክሰርሓ ህዝብና ብዛዕባ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበል ቀጻሊ ሓበሬታ ኪህልዎ ድማ ከይተሓለላ ክጽዕራ ይግባእ።