እስራኤል ናይ ኣጋር መጥቃዕቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ድሕር ምጅማራ ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ማእከላይ ምብራቕ ኣሰካፊ መልክዕ እንዳሓዘ ይሕንበብ ኣሎ። ንዝኾነ ሰላማዊ ዝርርብ ባይታ ዓጽያ ዘላ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወሽመጥ ቓዛ ዕለታዊ ኣልማሚ ደብዳብ ካብ ምክያድ ከምዘየዕረፈት ዝፍለጥ ኮይኑ ሰራዊት ናብ’ቲ ወሽመጥ ከተዉፍር ብምድፋራ ሓያለ ሃገራት እቲ ዞባ ብሓፈሻ ኢራን ድማ ብፍላይ ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት ወተሃደራዊ ምድላዋት የርእያ ኣለዋ።

ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ጥራይ  ልዕሊ 100 ነፈርቲ ኲናት እስራኤል ኣብታ ወሽመጥ ቀጻሊ ከምዝደብደባን ህዝቢ እቲ ወሽመጥ ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸገም ወዲቚ ከምዘሎን ይንገር።
ኣልማሚ ደብዳብ ነፈርቲን ከቢድ ብረትን እስራኤል ዛጊት ሂወት ልዕሊ 7 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኣጥፊኡ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባ እስራኤል ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንዝመጻ ዘሎ ተቛዉሞን ዓገብን ዕሽሽ ብምባል ካብቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ሓለፋ ግዳይ ዝገብር ዘሎ ወተሃደራዊ ግብረመልሲ ኣይትሃድእን ዘላ።

ናብ ወሽመጥ ዓረብን ምብራቓዊ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪን መራኽብ ኲናት ከተጸግዕን ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ድማ ብከፊል እትዳገፍን ዘላ ኣመሪካ ንሓማስ ግዜ ዝዕድግ መስርሕ ሰላም ኣብዚ ግዜ እዚ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብምሕባር ንኣብያ እስራኤል ድርዒ ኾይናቱ ኣላ። ቻይና ብወገና ሽዱሽተ ዓበይቲ መራኽብ ኲናት ናብ ወሽመጥ ዓረብ ኣምሪሓ ከምዘላ ሓድሽ ዝወጽ ዘሎ ሓበሬታ የተሓሳስብ።

ኲናት ሓማስን እስራኤልን ኢድ ኩለን ኣብዝቲ ዞባ ጽልዋአን ከረጋግጻ ብቃልዕን ብከዉሊን ክሰርሓ ዝጸንሓ ሓያላት ሃገራት ይዉሰኾ ብምህላዉ  እቲ ዕለታዊ ዝሰፍሕን ዝጽዕቕን ዘሎ ኲናት ዓለማዊ መልክዕ ከይሕዝ ልዕሊ ካልእ እዋን ተሰጊኡ ኣሎ።
ኣመሪካ ምስ ዒራቕ ኣብ ዝዳወብ ከባቢታት ሶርያ ዝርከብ ወተሃደራዊ ትሕተቅርጺ ኢራን ከምዘጥቅዐት ድሕሪ ምግላጻ እውን ነቲ ዝንህር ዘሎ ኩነታት ተወሳኺ ነዳዲ ዝኽስኽስ ከይከዉን ተሰጊኡ ኣሎ። እቲ መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ኲናት ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነ እኳ ኣመሪካ እንተገለጸት  ብኢራንን መሓዙታን ዝህሉ ርድኢት ግን ዝተፈለየ ከምዝኸዉን ኣየጠራጥርን።

ወተሃፈራዊ ክንፊ ሓማስ ምስቶም ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ኣትዮም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤልን ይዋጋእ ከምዘሎ እዉን ሓቢሩ ኣሎ። እስራኤል ከም መቐጸልልታ ናይ’ቲ ንዝኾነ ጻዕሪ ዘተ ሰላም ተስምዖ ዘላ ኣብያ  ዝሓለፈ ዓርቢ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብልዑል ድምጺ ተቐባልነት ዝሓለፈ እታ ሃገራ ንሰላማዊ ፍታሕ ቅርብቲ ኽትከውን ዝጠልብ ዉሳኔ ሻቡ ነጺጋቶ ኣላ።
ዝበዝሓ ኣባላት ሃገራት ዓረብ እውን ነቲ እስራኤል ንሓማስ ንምድቓቕ እተካይዶ ዘላ ቃልሲ ብቐንዲ ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእተወ ኾይኑ ይብእስ ብምህላዉ በብግዜኡ ተቛዉመአንን ቅርሕንተንን የንጸባርቓ ኣለዋ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ክባን ዕጽዋን ወዲቚ ብጥሜትን ደብዳብን ተጣሪዑ ዘሎ ህዝቢ ወሽመጥ ቓዛ ሕጂዉን መብራህቲን መራኸቢታትን ተኸሊኡ ኣብ ምሉእ ተነጽሎ ከምዝርከብ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኩለን ትካላት ሕቡራ ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ፍልስጤም ዝወርድ ዘሎ ሃስያ ይዂንና እኳ እንተሃለዋ  ድገፍ ምዕራባዊ ዓለም ተኣማሚና ዝደለየቶ ትዉስን ዘላ እስራኤል ነቲ ምኹናን ጸማም እዝኒ ክትህቦን ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎ ኸተምስሎን ትርአ ከምዘላ ትዉቀስ።