ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ተሰናኺሉ ኣብ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ጂዳ ዳግማይ ይላዘቡ ከምዘለዉ ተፈሊጡ። እቲ ኣቐዲሙ ብኣላይነት መንግስታት ስዑዲ ዓረብ ኣመሪካ ከምኡዉን ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተጀሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ደሓን ዝኾነ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ዝነበረ ዘተ ሕጂ ድማ ውድብ ኢጋድ ተጸንቢርዎ ይካየድ ከምዘሎ እዩ ተፈሊጡ።
እቲ ዘተ ቀዳምነት ሂብዎ ዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ኾይኑ እቶም ኣብ ባይታ ገና ካብ ግጭት ዘየዕረፉ ዘለዉ ክልተ ሱዳናዉያን ሓይታት ኣልዚብካ ኣብ’ቲ ጉዳይ ኪረዳድኡ ንምግባር ብዙሕ ጻዕሪን ቀጥታዊ ጸቕጢን ከድሊ ከምዝመስል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘረድኡ።
ክልቲኦም ወገናት ዝሓለፈ 11 ግንቦት ኣብ ጂዳ ናይ ስዑዲ-ዓረብ ዝኸተምዎ ስምምዕ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ንኽሕሎ ዘለዎም ቅሩብነትን ብምንጻር ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ዝተናውሐ ግዝያዊ ምቊራጽ ተጻእኦ ኪሕትሙ ተረዳዲኦም እኳ እንተነበሩ ምስ ግዜ እቲ ኣገዳሲ ስምምዕ ክጠሓስ ብምጽንሑ ዛጊት ኣብ ባይታ ዝተጨበጠ ፍረ የለን።
ብዘይካ’ቲ ናይ ጂዳ ስምምዕ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ካልኦት ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ እዪ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ።
በቲ ሻውዓይ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ኩናት ሕድሕድ ሱዳን ዛጊት ህይወት ልዕሊ 9,000 ሰላማውያን ሰባት ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ ዓስርተታት ኣሽሓት ካልኦት መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ በቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝወርድ ዘሎ ጥፍኣት ይዛይድ ጥራይ ዘይኮነ ብሰንኪ እቲ ኲናት ተዓናቒፉ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ንኣእላፍ ሱዳናዉያን ኣብ ኣፋፌት ሞት ኣባጺሕዎም ከምዘሎ እዩ ኣተሕሳሲቡ
ኣቐዲሙ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዘካፈሎ ኣሃኣዊ ጸብጻብ እውን ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ሱዳን ክፈናቐል እንከሎ፣ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ካልኦት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ከምዘለዉ እዩ።