መሰረታዊ ዕላማ ናይ’ቶም ብፖለቲካውያን ካድራት ተነዲፎም ኣብ ክውንነት ከይረዓሙ ብሓይሊ ንምስግዳዶም ዝጸዓር ተቐያየርቲ ስርዓታት-ትምህርቲ ጉጅለ ህግደፍ ንመንእሰይ ኣብ ዝተጻበበን ዝተማሕደረን ደረጃ ንቕሓት ከርዲንካ ንቐጻሊ ምዝመዛን መግዛእቲን ንምቅላዕ ዝዓለሙ ምዃኖም ተፈሊጡ።
መንእሰያት ኤርትራ ኣብ’ዛ ተወዳዳሪት ዓለም ተኸፊቱ ንዘሎ ዕድላት ትምህርቲን ልምዓትን ከይረብሕሉ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ ክንብርከኹ ዝገብር ቋራኒ ስርዓተ ትምህርቲ ክሳዕ እዚ ሰዓት ይቕጽልን መሊሱ ይኸርርን ምህላዉ ኣይርሳዕን።
ዝተወደነ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን ትሕተ ቅርጺ ከይወነነ ፡ መምርሒታትን ትግባሬኦምን ጥራይ ዝግድድ ስርዓተ-ትምህርቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብቑዕን ምስ ምዕባለ ዝጓዓዝን ዓቕሚ ሰብ ካብ ምፍራይ ቦዂሩ ከምዘሎ በቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ እናሻዕ ዝምዝገብ ዘሎ ድኻማት ይምስከር ከምዘሎ ይንገር።
ቊጽሪ መምሃራን ናይ`ቲ ቤት ትምህርቲ ብርኡይ ጎዲሉ ተማሃሮ መጻኢሞም ይባኽን ከምዘሎ ዘረድኡ እቶም ምንጭታት፡ ሓደ መምህር ዕለታዊ ልዕሊ 8 ክፍልታት ክምህር ይንገሮ ብምህላዉ ኣድማዕነት ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።
ናብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ -ሳዋ ዝወርዱ ተመሃሮ ምስ ዘይእኹል ቊጽሪ መምሃራን ትሑት ቀረባት ናውቲ ትምህርቲ ከምኡ`ውን ምስ ቀጻዒ ወተሃደራዊ ምሕደራ እናተቓለሱ ዝረኽብዎ መጠን ፍልጠት ኣዚዩ ትሑት ምዃኑ ከይኣክል ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንኽሰግሩ ዝወሃቦም መልቀቒ ፈተናታት እውን ነቲ ዘኻዕብትዎ ፍልጠትን ዓቕምን ኣብ ግምት ዘየእተወን ኣዚዩ ትሑት ነጥቢ ኣምጺኦም ናብ ውትህድርና ከምርሑ ዝደፍእን ኮይኑ`ዩ ዝቐርብ።
ኣብ 2002 ዝተመስርተ ቤ/ት ዋርሳይ ይከኣሎ – ሳዋ፡ ቀጥታዊ ነጸብራቕ`ቲ ብዂር ስርዓተ ትምህርቲ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ መጻኢ መንእሰያት ኣጸልሚቱ ንጉልበታዊ ምዝመዛኦም ባይታ ኣብ ምንጻፍ ዝጽዕት ዘሎ ትካል እዩ ።