ዕላማ ናይቲ ኣብ 1994 ወግዓዊ ኾይኑ፡ ካብ 1998 ድማ ኩሉ ዓንቀጻቱ ብህግደፍ ዝተጠምዘዘ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ንመንእሰያት ኣብ ዘይነጽፍ ጉልበታውን ወተሃደራውን ወፈራ ኣሰልኪኻ ወይ ካብ ሃገሮም ከርሕቚ ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ክርዕዱ ንምግባር ምዃኑ ልዕሊ ካልእ እዋን ተጋሂዱ እንዳሃለወ ህግደፍ ነቲ ሃገራዊ ምዝመዛ ከም ምንጪ ሃገራዊ ድሕነት ንምዉካሉ ክሳሕ ሕጂ ይሃልኽ ኣሎ።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ግዜ ዘይብሉ፡ መንእሰያት ካብ ቊጺጽር ህግደፍ ከየርሕቚ ዝገብር ኮይኑ ይቕጽል እንዳሃለወ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ዝረስዐ ዝህቢ ኣምሲላ ህግድፍ ገደብኣልቦ ሃገራዊን ወተሃደራዊን ኣገልግሎት ኪቕጽል እንተዘይገብር፡ ሃገር ካብ ወረርቲ ኣይምደሓነትን ዘስምዕ ምስሩሕ ምጉት ምቕራብ ኣመል ገይርዎ ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ብቕልጽሙ ዘምጽኣ ሃገር ብቕልጽሙ ኪሕልዋ ዘይእግሞ እንዳሃለወ ህግደፍ ንነብሱ ከም ሕሉፍ ሃገራዊን ደላዪ ድሕነትን ኤርትራን ወሲዱ “ኣነን ኣዋጃተይን ኢና ነዛ ሃገር ደዉ ኣቢልናያ ዘለና” ዘስምዕ ምዉት ምጉት እንዳቕረበ ነታ ብሰሪ ሕመቑ ኣብ ቀጻሊ ኲናት: ስደት: ሕሰምን ድሕረትን ወዲቓ እትርከብ ሃገር ከመኽንየላ ኣየዕረፈን ዘሎ።
ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊን ወተሃደራዊን ኣገልግሎት ፡ ቀዳማይ ምንጪ ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ኣህጉራውያንን ዞባዉያንን ተሓለቕቲ መሰላት ከምኡ’ዉን ዝበዝሐ ኣካል ማሓበረሰብ ዓለም ቀጻሊ ምስወቐሱ እዮም። ህንጸት ሃገር ንዝብል ኣምር፡ ንመናውሒ ስልጣኑ ምስ ዘሳልጡ ጉልበታዊን ቊጠባዊን ምዝመዛ ዜጋታት ኣንዳሓንፈጸ ሃገር ከዕኑ ዝርከብ ህግደፍ ግና: ስብኣዊ መሰል ከም ኣካል እቲ ሃገራዊ ህንጸት ከምዝርእዮን ንምምሕያሹ ድማ ምስ ዝብድህዎ ተርእዮታት ይቃለስ ምህላዉን እዩ ከይሓነኸ ዝምጒት።
ማሕበረሰብ ዓለም ፡ ብቐንዱ ድማ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተሉ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ገደብ ግዜ ዘይብሉ ወተሃደራዊን ሃገራዊን ኣገልግሎት ንዜጋታት ግዜኦምን ዉልቃዊ ልምዓቶምን ይቐትልን ምንጪ ተኣሳሰርቲ ግህሰታት ይኸዉንን ምህላዉን ብምዉቃስ፡ እቲ ዜግነታዊ ግቡእ ዝኾነ ኣገልግሎት ፍሉጥ ገደብ ግዜ ክግበረሉ እምበር ትግባሬ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ብመሰረቱ ከኽትም ኣለዎ ዝብል ሓሳብ የብለንን። ህግደፍ ግን ነዚ ከምዘለዎ ጠምዚዙ ኤርትራ ነብሳ ከይትከላኸልን ንወራር ክትቃላዕን ምእንቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደዉ ከተብል ተጻብኦ ይገጥማ ኣሎ እንዳበለ’ዩ ዝሕሱ።
መሰልን ክብርን ዜጋታት ዘየቐድም ሃገራዊ ህንጸት ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ክሰርሕ ዘይተራእየ ኮይኑ መለሳኡ ድሕረትን ዉድቀትን ዜጋታት ብምዃኑ ክመልኩ ዝብህጉ ስርዓታት ነዚ ሜላ ብምጥቃም – ብስም ሃገራዊ ህንጸትን ድሕነትን – ካብ ቅቡል ክዉንነት ዘርሓቚ ስግኣታት ብምስናዕ ኣብ ጭቈናን ፍርህን ዝነበር ሕብረተሰብ ኽገዝኡ ከምዝቐለሎም ይንገር።