ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ቀጻሊ ዓወታት የመዝግቡ ከምዘለዉ ዝሕብሩ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ሕጂ ድማ ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ጎርዶፋን እትርከብ መዓርፎ ነፈርቲ በሊላ ከምዝተቘጻጸሩ ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ በሊላ ካሳብ 12 ሽሕ በርሚል ነዳዲ ንመዓልቲ ዘድሪ ኩባንያ ዕደና ከምዘሎን ዝሕብሩ ጸብጻባት ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ጸብለልታነት ዘግዝምዎም ስትራተጂካውያን ከባቢታት ኣብ ምቊጽጻር ዓቢይ ገስጋስ የመዝግቡ ከምዘለዉ የረድኡ።
ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ነቲ ኣብ በሊላ መንዚዖሞ ዘለዉ መዓርፎ ነፈርቲን ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኩባንያ ነዳዲን ንቡር ስራሖም ኽቅጽሉ ፈውቒዶም ከምዘለዉ እዮም ዝሕብሩ። እዚ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ገስጋስ እቶም ሓይልታት ዘተ ሰላም ኲናት ሱዳን ኣብ ጂዳ ዳግም ተጀሚሩ ወከልቲ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ቀጻሊ ዘርርብ ኣብ ዝርከብሉ እዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን እውን ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንዓባይ ከተማ ንያላ ናይ ዞባ ደቡባዊ ዳርፉር ካብ ሰራዊት መንግስቲ ከምዝመንዝዑ ሓቢሮም እዮም። ንመራሒ እቶም ሓይልታት መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ (ሕሜቲ) ሓዉ ብዝኾነ ዓብደልራሒም ደጋሎ ትምራሕ ኣሃዱ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ንሰለሰተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየደቶ ውግእ፡ ንወተሃደራዊ መዓስከር’ቲ ነታ ከተማ ዝሕሉ ዝነበረ ክፍለሰራዊት 16 ድሕሪ ምቊጽጻሮም እዮም ብዛዕባ እቲ ዓወት ሓቢሮም።
ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ካብ ምጅማር ወርሒ ጥቅምቲ፡ ነታ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋን ምስ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትዳወብን ካልኣይቲ ዝዓበየት ሱዳናዊ ከተማ ንያላ ክሕዝ ምኽኣሉ ንሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዓቢይ ጽፍዒት ኮይኑ ምህላዉ እዩ ዝዝረብ። ዳዕመልሰሪዕ ንመሪሕነት ዞባ ደቡባዊ ዳርፉር ንምዕላው እዉን ካብ ኩሉ ሸነኻት እታ ዞባ ናይ ቀቢላ ዕጡቓት እንዳመልመለ የውፍር ምህላዉ ይንገር።
በቲ ሻውዓይ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ኩናት ሕድሕድ ሱዳን ዛጊት ህይወት ልዕሊ 9,000 ሰላማውያን ሰባት ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ ዓስርተታት ኣሽሓት ካልኦት መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ኣቐዲሙ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዘካፈሎ ኣሃድኣዊ ጸብጻብ እውን ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ሱዳን ክፈናቐል እንከሎ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ካልኦት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ከምዘለዉ እዩ።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ዛጊት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር። ክልቲኦም ወገናት ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምገልቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ እዪ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ።