ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ወተሃደራዊ ቈመናኡ ከደላድልን ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ተመሻጢሩ ሓድሽ ኲናት ከላዕልን ዝጓየ ዘሎ መራሒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ሰሪቱ ዘሎ ጥሜትን መጠኑ ዝሓለፈ ስራሕ-ኣልቦነትን ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ ይረአ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
ስራሕ ተባቲኽዎም ኣብ ሕሱም ድኽነትን ጥሜትን ዝወድቊ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን መንሰያት ከስዐኦም ንምምላእ ብብዝሒ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ይጽንበሩ ከምዘለዉ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተዳኸሞ ወተሃደራዊ መሳርዑ ሂወት ንምዝራእ ንሰብኣዊ ቅልዉላዉ ህዝቢ እታ ሃገር ይምዝምዞ ከምዘሎ ዘመልክት እቲ ሓበሬታ ከም ሳዕቤኑ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንሰያት ናይተን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኢትዮጵያ ዝርከባ ክልላት ናብ ሰራዊት ይዕስክሩ ምህላዎም የገንዝብ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብዙሕ ዜናዊ ሸፈነ ዘይወሃቦም ዓድታትን ቊሸታትን ኣልመምቲ ግፋታት ኸካይድ ጀሚሩ ምህላዉ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብዛዕባ’ቲ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ከቃንዕዎ ሸሪሖምዎ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ኪዛረብ ከምዘይደሊ እንዳመሰለ፡ ብመንገዲ ዘይወግዓውያን መሓዉራት ዜናኡ ግን ድዑቕ ጐስጓስ ኲናት ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ግዜ እዚ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ይዂን ምስ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ምርጻም እቲ እንኮ ኣብ ስልጣን ክጸንሓሉ ዝኽእል ኣማራጺ ኮይኑ ተራእይዎ ብምህላው፣ ነዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝመሻጠርሉ ዘለዉ ኲናት ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ሓለፋ ተሓንጥይሉ ከምዘሎ ሓቢርና ኢና።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ህግደፍ ኣካይዳታቱ ክጽግንን ፍትሓዊ ክኸውንን ዘይኮነ፡ ካብ ስልጣን ጥራይ ከልግስ ዝጠልቡ ተበዓት መንእሰያት ለውጢ ተፈጢሮም ብምህላዎም፡ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ዝርከብ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ምስ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝመሻጠረሉ ዘሎ ኲናት ልዕሊ ኣቢይ ኣሕመድ ተመንዩዎ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ካብ’ዚ ዝመጾ ዘሎ መንእሰያዊ ማዕበል የናግፈኒ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ እንኮ ኣማራጺ ፡ ኲናት ምስ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ስለዝኾነ እዩ።
ኩለን ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝነጥፋ ዘይወግዓውያን መሓውራት ጐስጓስ ህግደፍ ዝነዝሕኦ ዘለዋ ፕሮፖጋንዳን ኣብ ልዕሊ ኣቢይ ኣሕመድ ዘዝንብኦ ዘለዋ ተዂተዂቲ ዘለፋታትን ህግደፍ ነዚ ኲናትን ነገርን ክሳዕ ክንደይ ሓለፋ ደሊይዎ ምህላዉ ዝነጽሩ ናይ ቀረባ ኣብነታት እዮም።