ሕጂ’ውን ንኤርትራን ህዝባን ካብ ሓድሽ ኲናት ከናግፋ ዝኽእል እንኮ ሃገራዊ ትካል፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝኾነ ተፈሊጡ። ንዕድል ሃገርን ህዝቢን ከይተጸገመ ናብ ዝደለዮ መኣዝን ንምባል ምእንቲ ክጥዕሞ ፡ ንቅዋምን ትካላውነትን ዘዕነወ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ እዚ ሕጂ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ተመሻጢሩ ዝሕልኖ ዘሎ ኲናት ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ፈሊጡ ኪቃወሞ ዝኽእል ቀንዲ ሃገራዊ ኣካል ፡ ሰራዊት ኤርትራ ጥራይ እዩ።

ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናትን ስደትን ኣዳኺምካ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕ ሕልሚ ኢሳያስ ደዉ ክብል እንተኾይኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ክስከምን ንህዝቡ ካብ ተወሳኺ ኲናት ንምግልጋል ዘቤታዊ ዕዪኡ ኸቃንዕን የድሊ ኣሎ።
ወተሃደራውያን መኮንናት ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገራት ማእከላይን ምዕራዊን ኣፍሪቃ ዝምዝገብ ዘሎ፡ ዘይኣስራሕቲ ስርዓታት ብወተሃደራዊ ዕልዋ ናይ ምእላይ ድፍረት ከስተብህልሉ ከምዝግባእ ብተደጋጋሚ ኽግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ንህዝቢን ሃገርን ካብ ግዳማዊ ጸላኢ ኽከላኸል ጥራይ ዘይኮነ ካብ ውሽጢ ንዝመጽእ መግዛእቲን ሓደጋን እውን ኣደብ ከትሕዝ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘለዎ ነዚ ሓላፍነት እዚ ንምርዳእ ድማ ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ነቶም ኣብ ሃገራት እዛ ኣህጉርን ብወተሃደራዉያን መኮንናት ዝውሰዱ ዘለዉ ኣረምቲ ስጒምቲታት ኪመሃርሎም የድሊ።

ሰራዊት ኤርትራ ህዝቡን ሃገሩን ካብ ግዳማውያን ተጻባእቲ ክከላኸል ዘይኣገሞ ነቲ ኣብ ውሻጠ ተሓቢኡ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ብሰላም ከይትነብር እንዳጋጨወ ነጺልዋ ዘሎ ሽምጉል ጉጅለ ህግደፍን መራሒኡን ካብ ስልጣን ምእላይ ዝቐለል ስራሕ ከምዝኾነ ንምግማት ኣየሸግርን።
ኣብ ምቕናዕ ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ጸገማት ሓንቲ ሃገር ፡ ተራን ጽልዋን ሰራዊት ኣገዳሲ ምዃኑ  ካብ’ቶም ኣብ ምዕራባዊን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዚዛይዱ ዘለዉ -ዝኣረጉ ስርዓታት ንምስጓግ ዝዓለሙ- ወተሃደራዊ ዕልዋታት ክምስከር ዝከኣል ኮይኑ ናይ ቀረባ ኣብነት ፡ ዝሓልፈ ወርሒ ነሓሰ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ጋቦን፡ ኣብ’ታ ሃገር ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ ስድራቤታዊ ጉጅለ ካብ ስልጣን ኣሳጒጐም እዮም።

ብቕዓት ዝወሓዶ ስርዓት ካብ ስልጣን ዘሳጐጒ ኣዘዝቲ ሰራዊት ጋቦን  ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ባሕታዊ መሪሕነት ፡ ነታ ሃገር ኣድሒርዋ ከምዘሎ ብሰሪ ድኻማት እቲ መሪሕነት ሰሪቱ ዘሎ ቊጠባዊን ጸጥታዊን ቅልውላዉ ንምህዳእ ክሰርሑ ድማ ሓልፍነቶም ከምዝኾነ እዮም ገሊጾም።