ዘይወግዓውያን መሓውራት ዜና ህግደፍ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ገዘፍቲ ወፍርታት ዘቃንዑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከጠንቅቓ ይስመዓ ኣለዋ። እተን ኲናት ምስ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘይተርፍ ከምዝመስል ዝድምድም ሓበሬታ ዘራብሓ ዘለዋ ማዕከናት ህግደፍ ኣብ ኣዲስኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንውሕስነቶም ክሓስቡ እየን ኣሻቓሊ ምኽሪ ዝደጋግማ ዘለዋ።
እተን መሓውራት ህግደፍ ወያን ህወሓትን ንዝብል ጸኒሕ መዝሙር ተሳጊረን ደጊም ኣቢይን ሰልፊ ብልጽግናን ሓደስቲ ጸላእቲ ኤርትራን ህዝባን ምዃኖን ኽጉስጒሳ ተሓቢሩወን ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ከምዝርከባ ዝፍለጥ ኾይኑ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኢሳያስን ኣቢይን ተመስጢሩ ዘሎ ሽርሒ-ኲናት ምኽኑይ ንምግባር ከየዕረፋ ጽልኢን ራዕዲን ይምስራሓ ኣለዋ።
ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዘለው ኤርትራውያን ክሳብ ምስ ህግደፍ ዘይተጻግዑን ካብ ፖለቲካ ኣርሒቘም ከም ስደተኛታትን ዑቕበኛታትን ኪኽተልዎም ዝግባእ ምምሕዳራዊ መምርሒታት ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ዘኽበሩን፡ ክጻብኦም ዝኽእል ኣካል ከምዘየለ ክርድኡ ይግባእ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ተሰናቢዱን ተገሪሁን ኪሃድም እሞ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ “ገለ ኣበር ተዘይህልዎም ኣይመሃድሙን” ኢሉ ብኣልማማ ክኣስር ምስ ጀመረ ፡ ነቲ ኩነታት ናብ ረብሓ ንምቕያርን ተደልዩ ንዘሎ ጽልኢን ኲናትን ንምምኽናይን ተዓጢቐን ኣደናገርቲ መጠንቀቕታታት ዝነዝሓ ዘለዋ መሓዉራት ዜና ህግደፍ እምበኣር፡ ሽርሐን ዕላማኡ ከይወቅዕ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ነባሪ ኣዲስኣበባ ንቕሓቱ ከበርኽ ይግባእ።
ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስኣበባ ከም መሳርሒ ናይ’ቲ ዝተፈላለየ መመኽነይታታት ዝናደየሉ ዘሎ ሓድሽ ኲናት ፡ ግዳይ ንምግባሮም ብህግደፍ ተተሊሙ ንዘሎ ሽርሒ ብኣጋኡ ተገንዚቦም፡ ንድሕነቶም ኣብ ሓደጋ ካብ ዘእትዉ ምርጫታት ከርሕቚ ድማ ንጽውዕ።
ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ መን ከይትንክንፈና መንፈስ ኣጥርዮም፡ ንምስሊን ድሕነትን ናይ ዝበዝሐ ወገን ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ንጥፈታት ከተግብሩ ክደፍሩ ብምጽንሖም ህዝቢ ኣዲስኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝጸንሖ ኣኽብሮት ንኽሃስስ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ይፍለጥ። እዚ ምስቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ጸጥታዊ ኣጠማምታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደሚሩ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ሓለፋ ግዳይ ኪገብር ከምዝኽል እዉን ምፍላጥ የድሊ።