ዋሕዚ ስደት ኤርትራዊ መንእሰይ ደዉ ክሳብ ዘይበለ ኣብ ስልጣን ዘሎ ህግደፍ ብድሆታት ኪዉሕዶን ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዘውርዶ በደል ድማ ብኢሱ ክቕጽልን ከምዝኾነ ምግንዛብ የድሊ ኣሎ። ህግደፍ ብዝሒ መንእሰይ ኣብ ሃገር ኪጸንሕ ስለዘስግኦ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ጥራይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናብ ጎረባብትን ሃገራት ስግር ባሕሪን ከርሕቕ ከምዝገበረ ይፍለጥ።

ኣብ ሃገር ኩሉ መሳዂቲ መንብሮ ዓጽዩ፡ ብዘየቋርጽ ውትህድርናን ጉልበታዊ ምዝመዛን ህዝቢ ኣጨኒቚ ዘሳድድ ዘሎ ህግደፍ፣ ነቲ ኣብ ከም ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺን ሊብያን ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛ እውን ከይተረፈ ዓቕሉ ጸቢብዎ ንዝተናውሐ ስደት ከቋምት ዝደፍኡ መሓዉራዊ ጸቕጥታት ካብ ምክያድ ኣየዕረፈን።

ዝርካቡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሰራዊት ዓስኪሩ ዳርጋ ኩለን ከተማታትን ቊሸታትን ኤርትራ ሃጒገን ቈልዑን ሽማግለታት ጥራይ ይነብሩወን ከምዘለዋ ፍሉጥ ኮይኑ እዚ ተርእዮ እዚ ንህግደፍ ዕለታዊ ሩፍታ ዝፈጥርን፣ ዝብደሃኒ ወገን የለን ዝብል ዘቕስን ርድኢት ኪሕዝ ዝገብርን እዩ።

እቲ ኣብ ስደት ዓንቲሩ ኣንጻር መሓውራዊ ንጥፈታት ጉጅለ ህግደፍ ደዉ ክብልን ዓወታት ኪጭብጥን ጀሚሩ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ራሕቂ ኾይኑ ነቲ ጉጅለ ኣርዒዱ ከምዘሎ ኩሉ ይዕዘቦ ኣሎ። እዚ መንሰያዊ ድፍረት ኣብ’ቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ተሪፉ ዘሎን መንእሰይ ክንጸብረቕ እንተጀሚሩ ድማ ህግደፍ መዓልታት ክሰርር ከምዘይኮነ ርጉጽ እዩ።

ብመሰረቱ ግን እቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ መንእሰይ ብፍላይ ድማ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምኡ፡ዉን ማእከሎትን ታሕተዎትን መኮንናት ነዚ ዉሽጡ ቦኽቢኹ፡ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝነበሮ ኩሉዓይነታዊ ጽልዋ’ዉን ዝምህምኖ ዘሎ ስርዓት ኣብ ምእላይ መሪሕ ተራ ክጻወቱ እዋኑ ኣኺሉ ኣሎ።

እቶም ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣዉጺኦም ዘረከቡና’ሞ ሕጂ ግዳይ ጥልመት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ኣርካናት እቶም ኣይንግዛእን ኢሎም መሮር ምስፋር ዝመረጹ’ሞ ልኣላዊት ኤርትራ ኣረኪቦምና ኽንሶም ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ግቡእን ሞሳዊን መንብሮ ዝተኸልኡ ተጋደልትና ፡ ነቲ ሃገር ካብ መግዛእቲ ናይ ምድሓን ድፍረት ከንቅሉ እንከለዉ ኣብ ክሊ ዕድመ 17-20 ዓመት ምንባሮም ክንዝክር ኣድላዪ እዩ።