ኣብ ግዜያት ምምስራት ህውኽን ምስጢራዊን ምሕዝነት “ዓሰብ ክንማቐላ ኢና” ንዘበለ ኣብይ ኣሕመድን “ኣይከሰርናን ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ኢሉ ዝሓስብ እንተልዩ ነቲ ሓቂ ዝይፈልጥ’ዩ ከምኡ’ውን ኣብይ ኣሕመድ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ንዝበለ መራሒ ጉጅለ ህግደፍን እንደዓለሉ ዘጣቕዑ ዝነበሩ ደገፍቲ ሕጂ ምስቲ ባዕሉ መምጽኢ ነገር ዝኾነ ጉጅለኦም ጉጅለ ህግደፍ ኮይኖም ብዛዕባ መሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ክማጎቱን ናይ ተጠሊምና መንፈስ ከንጸባርቚን ዝኾነ ሞራላዊ ብቕዓት ከምዘይብሎም ተፈሊጡ።
ህግደፍ ትማል ትማል ንሃገር ዘሽይጥ ሸለልትነት ዝበዝሖ ስትራተጂካዊ መብጸዓታት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እንዳኣተወሉ ባንዴራታት ኢትዮጵያ ተሸብሊሎም ብኣምሓርኛ ዝድንክሩ ዝነበሩ ደገፍቲ ኣብዚ ሰዓት እዚ ሓለይቲ ህዝቢን ሃገርን መሲሎም ዓጸፋ ክታረኹ ነቲ መብጸዓ ተኣተውሉ ኾይኑ ድዩ ወይ’ስ ዘቤታዊ ነውጹ ንምጥምዛዝ ናይ ማያዊ ግዝኣት ፖለቲካ ኪጻወት ጀሚሩ ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ ብጸርፍን ዘለፋን ክሰሃልዎ ክትርኢ ከለኻ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናን ደረጃ ኣእምሮን እቶም ደገፍቲ ክትፈትሕ ዘገድድ እዩ።
ዉሽጣውን ታሪኻውን ጥሙሕ መራሒኦም ኣጸቢቘም ዘይፈልጡ ደገፍቲ ህግደፍ መራሒኦም ምስ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ዝሓንጠጦም ውዕላት እንታይ ይብሉ ምንባሮም ኪሓቱ ይኹን ክመራመሩ ድፍረት ስለዘይብሎም እዮም በቢወቕቲ ኣብ ዝተኸፈትሎም ጸወታን ዉዲትን ንቕድሚኦም ኪኸዱን ዝተባህሎም ጥራይ ከድምጹን ዝረኣዩ ዘለዉ።
ኣብ ባይታ ንዘሎ መሰረታዊ ጌጋ ኪሓቱን ንምምሕያሻ ኽጠልቡን ዝነኣሰት’ውን ትኹን ትብዓት ትዉሕዶም እቶም ደገፍቲ ኣብ’ዚ መራሒኦምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ተመሻጢሮምን ነዲፎሞ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ከብ ቀንዲ መጓሃሃርቲ ኾይኖም ከየዕረፉ ክሽቅሉ ክንዕዘብ ኢና ።
ብዛዕባ ናይ ሕጅን ጽባሕን ኩሉዓይነታዊ ድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ብሓቂ ዘገድሶን ዘሻቕሎን ዜጋ ኣብ ደንበ ህግደፍ ክጽንበር’ሲ ይትረፍ ንሓጺር ኣዋን ክቕኒ’ዉን ዘኽእሎ ዓቕሊ የብሉን። ስለዝኾነ እቶም ኣብ ደንበ ህግደፍ ኪሕብኡ ዝመርጹ እቶም ሕልናኦም ቀቲሎም ንምልኪ ተንበርኪኾም ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናትን ስደትን ኽትባድም ዝተሓባበሩ ዘለዉ ደገፍቲ ጥራይ እዮም።