ኲናት እስራኤልን ሓማስን፡ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጽልዋታቱን ዕለታዊ ይብእስ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊኣ ብዕጡቓት ሓማስ ዝተወስደ ህይወት ልዕሊ 1,400 እስራኤላዉያንን ወጻእተኛታትን ወሲዱ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ንምምላስ ዘንቀለቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ፍልስጤም ኣልማሚ ህልቂት ተካይድ ከምዘላ እትዉቀስ እስራኤል ንዝኾነ ሰላማዊ ፍታሕ ትነጽግን ወተሃደራዊ መጥቃዕታ ብቐጻሊ ዓጸፋ ተዛይድን ኣላ።

መንግስቲ እስራኤል በቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ብፍላይ ከየቋረጸ ዘቃንዖ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ከምኡ’ዉን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ኣጋር ሰራዊት ወፍሪን ዛጊት ህይወት ልዕሊ 9 ሽሕ ፍልስጤማዉያን ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ 30 ሽሕ ካልኦት ድማ ኣካላዊ መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ እዩ ዝንገር። ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ በዚ ሰብኣዊ ህልቂት ዝተቘጥዐ ክፋል ማሕበረሰብ ዓለም ማሕበር ሃገራት ዓረብ ድማ ብፍላይ  ኲነኔ የዛይዳን ዲፕሎማስያዊን ፖለቲካዊ ስጒምትታት ከቀላቕላ ይረኣያን ኣለዋ።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ስደተኛታት ፍልስጤም ዝተኻየደ ሂወት ልዕሊ 600 ሰባት ዝወሰደ መጥቃዕቲ እስራኤል ካብ ዓረባዊ ዓለም ተሪር ተቛውሞ ኣንቂሉ ከምዘሎ ይንገር።
ንእስራኤል ልኣላዊ ኣፍልጦ ሂባ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝመስረተት ቀዳመይቲ ዓረባዊት ሃገረ ዮርዳኖስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊውያን ፍልስጤማዉያን ይፍጸም ኣሎ ዝበለቶ ህልቂት ዘለዋ ቊጣዐ ንምንጽብራቕ ኣምባሳደራ ካብ እስራኤል ጸዊዓ ኣላ። ሓያለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ተመሳሳሊ ኲነኔ የበርኻ ብምህላወን እዉን ከምቲ ናይ ዮርዳኖስ ዲፕሎማስያዊ ስጒምቲ ከስዕባ ከምዝኽእላ ይግመት።

እስራኤል ኩሉዓይነታዊ ደገፍ ኣመሪካ ተዋሒሱላ ንዝኾነ ንቕሎ ሰላማዊ ፍታሕ ኪትነጽግን ግዝያዊ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ኪካየድ ንዝጸዉዐ መንግስቲ ይዂን ኣህጉራዊ ትካል ድማ ከም ጸላኢ እስራኤልን ጸረ-ሴምን ጌራ ትወቅስ ከምዘላ ይንገር።
ባይቶ ጸጥታን ሓፈሻዊ ባይቶን ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ቅዝፈት ኲናት እስራኤልን-ሓማስን ግዝያዊ ፍታሕ እኳ ኽርከበሉ ዘኽእል ኣማራጺ ከውሕሱ ዘይምኽኣሎም ንዘይንጡፍነትን ዘይተሰማዕነትን ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ኻል እዋን ኣጒሊሑ ኣሎ።

እቲ ኲናት ዞባዊያንን ኣህጉራዉያንን ሓይልታት ብኢደዙር ይካፈልዎ ብምህላዉ ጸጥታዊ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ሓጺር እዋን ተገሚቱ ዘይነበረ ገዚፍ ለዉጢ ኪምዝገብ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ናብ ዝበእኣሰ ዓለማዊ ኲናት ኪሸምም ምዃኑን እዮም ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ዞባ ዝሕብሩ። እስራኤልን መሓዙታን በቲ ሓደ ወገን ኢራንን መቓርብታን ድማ በቲ ኻልእ ኣብ ማያት ወሽመጥ ዓረብ ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ’ዉን ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ዘጽዕቕኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ታህዲዳትን ኣወንታዊ ዉጽኢት ክህልዎ ከምዘይኮነ እውን እቶም ተንተንቲ ዘረድኡ።