መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሃገሩ ዘብል ዋሕዚ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ንምኹላፍ ዛጊት ዘንቀሎም ፖሊሲታት ኣብ ባይታ ዝኾነ ውጽኢት ከምዘየመዝገቡ ሓደ ነጻ ትካል መጽናዕቲ ህዝባዊ ፖሊሲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣነጺሩ። Institute for Public Policy Research (IPPR) ኣብ እዋናዊ ጸብጻቡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዓቃባዊ ሰልፊ ብመትረብ እንግሊዝ ናብ ብሪጣንያ ንምታእታው ብጀላቡ ዝካየድ ስልኳ-ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ከም ርዋንዳ ዝበላ ሃገራት ዝተፈተነ ውዕላት ብዘይፍረ ይሃጒግ ከምዘሎ እዩ ኣረዲኡ።
ብመትረብ እንግሊዝ ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝኣትው ስደተኛታት ብዝሒ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይተዓጻጸፍ ከምዘሎ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ ኣብ 2018 ትሕቲ 300 ስደተኛታት ዝስለኡሉ እቲ ማያዊ መስመር ኣብዚ ዓመት እዚ ልዕሊ 45 ሽሕ ከምዝኣተውሉ ይንገር።
ብመትረብ እንግሊዝ ዘየቋረጸ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ትርከብ ብሪጣንያ ኣብ ዉሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ተደራረብቲ ሕግታት ተጽንዕ ከምዘላ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ነቲ ዋሕዚ ንምግታእ ካብ ቀዳሞት ዕማሙ ገይሩ ይጽዕረሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ደጊም ኣብታ ሃገር ቦታ ከምዘይህልዎም ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እንተኾነ ተረርቲ ስጒምትታት መንግስቲ ብሪጣንያ በቲ ማያዊ መስመር ንዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ኪገትኡ ኣይረኣዩን ዘለዉ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ፡ ነቲ ብናይ ይግባይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ድሮ ተነጺጉ ናብኡ ኣምሪሑ ዘሎ መደብ ምግዓዝ ዘይሕጋውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ኽርእዮ ምጅማሩ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ መደብ ሕጋዊ ኣይኮነን ኢሉ እንተወሲኑ መንግስቲ ብሪጣንያ ንዘይሕጋውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ናይ ምስግጋር መደቡ ንሓዋሩ ከወንዝፎ ኽግደድ እዩ።
መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ ሃገሩ ንመደብ ምምላስ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ደጊሙ ድሕሪ ምንጻጉ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ይግባይ ኪሓተሉ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ገሊጹ ነይሩ።