ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝብል ጉዳይ መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ሓደ ካብቶም ከም መመኽነይታ መጀመሪ ሓድሽ ኲናቶም ሰሪዖሞ ዘለዉ ኣሰሓሓቢ ነጥቢ ምዃኑ ምስ ግዜ ይንጸር ኣሎ።
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ዝኽተም ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ምሉእ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቓልዕ ኪማጎቶ ዘይረኣዩ ኾይኖም ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ጉዳይ ነቲ ካብ ቅድም ኣትሒዞም ኪዳለውሉ ዝጸንሑ ኲናት ከም ትሑዝ መመኽነይታ ከጽንሕዎ ስለዝመረጹ እዮም።
ኢሳያስን ኣብይን ዝመሻጠርሉ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት እኹል ድሕረ ባይታ ዘለዎን ጭቡጥ ጠንቂ ዝዉንንን ንምምሳሉ ብዘይካ’ቲ ኣብይ ኣሕመደ ብጉዳይ ዋናነት መስኰት ባሕሪ ኣንቂልዎ ዘሎ ተዂታኺ ትርኽ ተወሳኺ ጫሌዳታት ክፍጠር ስለዝተደልየ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ መሊኡ ኣየወጸን ዝብል ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ምጉት ሕጂ ብዓዉታ ክዝረበሉ ይስማዕ ኣሎ።
ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዘይቃደዋ ሓያለ ሃገራት ምዕራብ ነዚ ጉዳይ ከጋዝፉ ዝኽሉ መግለጺታት የውጽኣ ምህላወን እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ ። ኤምባሲታት ብሪጣንያ :ካናዳ: ኣውስትራልያ ኒውዚላንድ : ዴንማርክ፡ ሽወደን: ፊንላንድ፡ ሆላንድ፡ ጃንፓንን እኳ ኣብዚ ቅንያት እዚ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓባራዊ መግለጺ ኣዉጺኤን ንምኽታም ስምምዕ ፕሪቶርያ ኽንእዳን ኣብቲ ስምምዕ ዛጊት ኣይተማልኡን ዝተባህሉ ከም ጠቕላላ ምዉጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ነጥብታት ድማ ብቕልጡፍ ኽትግበሩ ኣምሪረን ክጽወዓን ይስምዓ ኣለዋ።
ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ እውን ኤርትራ ሰራዊታ ጠቕሊላ ካብ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ክልቲኤን ሃገራት ድማ ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኣላዉነትን ሃገራት እዚ ዞባ ተዂተዂቲ ወስታታት ካብ ምርኣይ ክቚጠባ ኣለወን ክብል ብዙሕ ትርጒምን ኣመታትን ዝሓዘለ ዝመስል መጠንቀቕታ ኣስሚዑ ኣሎ።
ኢሳያስን ኣብይን ድሕሪ ምድኻም ወያነ ኪቃደዉ ከምዘይኮኑ ኣንዳዕዲዖም ፈሊጦም ከምዝተመሓዘዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ምሕዝነቶም ክሳብ’ቲ ዘራኸቦም ጉዳይ ዝጻፈፍ ጥራይ ዝጸንሕ ብምንባሩ ኣብ ጉዕዞ እንዳተቐዳደሙን እንዳተጐራርሑን ክመጹ ምጽንሖም ካብዚ እዋናዊ ምዕባለታት ንምግንዛብ ኣየጸግምን።
እቶም ክልተ መራሕቲ ካብ ዝመሓዘዉ ክሳዕ ሕጂ፡ ንኻልእ እዋን ከጋጭውዎም ዝኽእሉ ብዙሓት ጉዳያት ኮነ ኢሎም ከይተፈትሑ ኽድጎሉ እሞ ንደሓር መመኻነዪ ዘይምቅዳዎም ኽጥቀምሎም መዲቦም እዮም ኪጓዓዙ ጸኒሖም።