ህዝቢ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ፡ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብግዲ ዝወፈሩ እሞ ናብ ሃገሮም ብሰላም ተመሊሶም ዝተባህለ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ደቊ ደሃይ ስኢኑ ይርከብ።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዕላማኡ ሃሪሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ካብ ዝበሃል 10 ወርሒ ሓሊፉ እንዳሃለወ ወለዲ ንህላዌን ኣበየ ኩነታቶም ዝምልከት ዝነኣሰ ሓበሬታ ተሓሪምዎም ገና ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ።
ዝበዝሑ ኣባላት ናይተን ካብ ኢትዮጵያ ተመሊሰን ዝተባህላ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ስድራቤቶም ይኹን መቕርቦም መልኽቲ ደሃይ ከይሰዱ ተኸልኪሎም ከምዘለዉ ስድራቤታት ፡ ደቀን ብህይወት ምህላዎምን ኣበይ ከምዘለዉን ንምርግጋጽ ገና ይጽገማ ኣለዋ።
ኣብ ኲናት ዓዲጓና ናይ ዝወደቚ ደቀን መርድእ ብዘይወግዒ ክፈልጣ ዝኸኣላ ስድራቤታት ኤርትራ ንቡር ሓዘን ከይገብራ ጓሂአን ኣብ ዉሽጠን ክሓብኣ ይግደዳ ምህላወን ይንገር። ዕረፍቲ ደቅኽን መን ነጊሩክምን ብኸመይ ፈሊጥኩምን እንዳተባህሉ ብኣባላት ስለያ ህግደፍ ናይ ዝንገላትዑ ወለዲ ቊጽሪ ይዛይድ ብምህላዉ እዋኡን ሓያለ ስድራቤታት ሓዘነን ንግዳም ከየውጽኣ ይሕመሳን ጎረባብቲ ብከዉሊ ጥራይ ኪበጽሑወን ይረአን ኣሎ።
ኣብ’ቲ ኲናት ዝወፈሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ስድራኦም ይኹን ቤተሰቦም ተሌፎን ይዂን ደብዳቤ ከይልእኹ ደቂቕ ምክትታል ይግበር ምህላዉ ዝሕብሩ ምንጭታትና ተወጊኦም ኣብ ሕክምና ኪበጽሑን ብስራሕ ናብ ከተማታት ክንቀሳቐሱን ዕድል ካብ ዝረኸቡ ኣባላት ሰራዊት ብዝርከብ ሓበሬታታት ጥራይ እዩ እቲ ናይ ገለ ወገናትና ዕረፍቲን ኣበየ-ህላዌን ዝፍለጥ ዘሎ።
ህዝብና ኣብ ከምዚ ዝበለ ሰንፈላል እንደሃለወ እምበኣር’ዩ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ መሳርሕቱ ኣቢይ ኣሕመድ ሓድሽ ኲናት ዝሕንጥጡን ዝበኣሰ ህልቂት ከዝንቡን ዝሸባሸቡን ዘለዉ።