ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ ዘንጸላልዎም ንዘሎ ሕጋዊ ሓደጋ ከምቲ ዝድለ የቕልብሉ ከምዘየለዉ ተፈሊጡ። ብዙሓት ግሩሃት ኣብቲ ህግደፍ ኣስማትን ዓላማን እንዳቐያየረ ኸካይዶም ተገዲዱ ዘሎ ኣኼባታት ይርከቡን ኣሳእሎምን ይስነድን ብምህላዉ እተን ህግደፍ እዩ ኣሳጉግዎም ኢለን ዘዕቈብኦም ሃገራት ኤውሮጳ ንዉሳኔአን ዳግም ክምርምርኦ ክቕሰባ እየን።
ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ፡ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ብኹሉ ወገኑ ንምቚጻይ ነቒሉ ይጓየ ኣብ ዘለወሉ እዋን እቶም ነዚ ንቕሎ ብጉልበታዊ ዓይኒ ጥራይ ዝርእይዎ ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ – ተገሪሆም ገና ግዳያት ይኾኑ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ ዘንጸላልዎም ንዘሎ ሕጋዊ ሓደጋ ኣየስተብህሉን ዘለዉ።
“ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት እየ ሃዲመ!” ኢልካ ተዓቚብካላ ኣብ ዘለኻ ሃገር ገጽካ ቀሊዕካ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ትድግፍ ምዃንካ ከተመስክር ምድፋር ዘምጽኦ መዘዝ ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ኪገሃድ ምዃኑ ደጋጊምና ክንሕብር ጸኒሕና ኣለና።
ኤርትራዉያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣዊጆሞ ዘለዉ ዝተወሃሃደ ቃልሲ ንረብሓ ህዝቦም እምበር በንጻሩ ከምዘይኮነ ዛጊት ዘይተረድኦም ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ በቲ ኣእምርኦምን ሕልናኦምን ዓጽዮም ክስዕብዎ ዝመረጹ ጉጅለ ዝተነግሮም ጸለመን ፕሮፖጋንዳን ጥራይ እንዳተናደዱ፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋቶም ብጉልበት ኪማለሱን ፖለቲካዉያን ዑቕበኛታት ምዃኖን ረሲዖም ድማ ንህግደፍ ከገልግሉን ይረኣዩ ኣለው።
ህግደፍ፡ እቶም ከም ጸላእቲ ህዝቢን ሃገርን ከምኡ’ዉን ዕሱባት ናይታ ኣብ ስልጣን ዘየላ ወያነ ኣምሲሉ ብምጽላም ከጓንዮም ክፍትን ዝጸንሐ ኤርትራዉያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ንሓቀኛ ራህዋ ህዝቦም ዘይደቀሱ ሃገራዉያን ምዃኖም ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ዝበዝሐ ህዝብና ተረዲኡዎ ይርከብ።
ምልኪን ስቓይ ህዝቡን ዝደገፈ ዜጋ ከም ዉፉይ ሃገራዊ ንህዝቡ ካብ ምልኪ ከድሕን ዝደክም ዘሎ ድማ ከም ከዳዕን ዕሱብን ንኽርአ ህግደፍ ንልዕሊ 30 ዓመታት ከይሰልከየ ኪጉስጉስ ጸኒሑ እዩ።