ኣብ ስደት ኮይኖም ነቲ ህግደፍን ኣብይን ዝመሻጠርሉ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ኣብ ምዉዕዋዕን ምጉህሃርን ተጸሚዶም ንህዝብና ተወሳኺ ህልቂት ከምጽሉ መንገድታት ዘጋፍሑ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ  ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ነቲ መራሒኦም ወጢንዎ ዘሎ ኲናት ክዋደቕሉ ጥራይ’ዩ ዘለዎም ዝብል ርይእቶ ኣብ ህዝብና ይዛይድ ኣሎ።

እቶም ደገፍቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተኸርዲኑ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ንኲናት ጥራይ ዝተፈጥረ ህዝቢ ቈጺሮም ኣብ ዓዲ ጓና ናብራኦምን ደቈምን እንዳስብሑ መራሒኦም ንዘዝኣጐዶ ሓዊ ኣብ ራሕቂ ኮይኖም እንዳንበድበዱ ኤርትራ ካብ ምዕባለን ኣርባሒ ጉርብትናን ተኣልያ ኣብ ኲናትን ተነጽሎን ጥራይ ኽትርመስ ይተሓጋገዙ ምህላዎምን ዘጠንቀቐ እቲ ናይ ህዝቢ ርእይቶ እቶም ደገፍቲ ልክዕ ከምቲ ብዝሃለቚ መንሰያትን ብዝተኸስረ ዕድላትን ኤርትራ ዝሕተት ጉጅለ ህግደፍ ተሓተቲ ምዃኖም ኣስሚርሉ ኣሎ።

ናብራ ድፋዕን ኣገልግሎትን ኣሰልኪይዎን ናብ ስደት ኣርሒቘም ነቲ ዘሳጐጐም ጉጅለ ዝሰግዱ ዘለዉ ስደተኛታት ደገፍቲ ነብሶም ኣድሕኒኖም ዉሉድ ናይ ካልኦት ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣብ ኲናት ኪሃልቊ ኪጉስጉሱ ኽትርኢ እንከለኻ ኣዝዩ ዘሕንኽ እዩ።

ኣብ ስደት ዝሓሸ ናብራ እንዳነበርካ ህዝብኻ ክሕሾን ክርህዎን ከኣ ትቃለስ እምበር  ህዝብኻ ኣብ ፍቐዶ ኲናት ኪሃልቕን ኣብ ቀጻሊ ድኽነት ክሓስሞን ክትደጋገፍ ምምራጽ ክሳዕ ክንደይ ሕልናኻ ቀቲልካ ምስ ህዝብኻን ሃገርካን ደምነት ተኺልካ ከምዘላኻ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እቶም ኣብ ዓዲ ጓና ወዲቘም ዘለዉ ደቊ ከይተረድአን ኣለዉ ድዮም ጠፊኦም ንኽፈልጥ ከብዱ ሓቚፉ እንዳተጸበየን “ሕጂ ንሓድሽ ኲናት ዝተረፉ ደቊ ኸወፊ ኣየድልን  ሓድሽ ኲናት ኣየድልየናን” ኣብ ክንዲ ምባል  ነቲ ህግደፍ ስልጣኑ ንኸናውሕ ኣቐዲሙ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ዝተሰመማዓሉ ሓድሽ ኲናት ክድግፉን ኣብ ጎድኒ ህግደፍ ኣለና እንዳበሉ ነገራት ከጓሃሃሩን ዝሃልኩ ዘለዉ ደገፍቲ እምበኣር ምስ ዉሽጦም ኪተሓሳሰቡ ይግባእ።