ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ወተሃደራዊ ጸብለልታ የመዝግቡ ኣለዉ ዝበሃለሎም ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ሕጂ’ዉን ንርእሰከተማ ምዕራባዊ ዳርፉር ዝኾነት ኣል-ጀኔና ምሉእ ብምሉእ ከምእተቘጻጸሩ ይሕብሩ ኣለዉ። እቶም ሓይልታት ነታ ከተማ ንምሓዝ ካብ ምዝዛም ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሮም ወፍርታት ከጽዕቚ ድሕሪ ምጽንሖም ትማል ቀዳም ከምዝተቘጻጸርዋ እዮም ገሊጾም።
ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ዞባ ካርቱምን ኣብ ዝበዝሐ ሸነኻት ዳርፉርን ብዙሓት ከባቢታት ይምንዝዑ ምህላዎም ዝገልጹ እቶም ሓይልታት ኣብታ 5 ንኡሳት ዞባታት ዝርከባላ ዳርፉር ጥራይ ዛጊት ን3 ርእሰከተማታት እተን ንኡሳን ዞባታት ምቊጽጻሮም ይዛረቡ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙናት እውን ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንዓባይ ከተማ ንያላ ናይ ዞባ ደቡባዊ ዳርፉር ካብ ሰራዊት መንግስቲ ከምዝመንዝዑ ሓቢሮም እዮም። ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ካብ ምጅማር ወርሒ ጥቅምቲ፡ ነታ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋን ምስ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትዳወብን ካልኣይቲ ዝዓበየት ሱዳናዊ ከተማ ንያላ ክሕዝ ምኽኣሉ ንሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዓቢይ ጽፍዒት ኮይኑ ምህላዉ ኣብቲ ሽዑ እዋን ተገሊጹ ኔሩ።
ዳዕመልሰሪዕ ኣብ ዳርፉር ምሉእ ቊጽጽር ንምርግጋጽ ካብ ኩሉ ሸነኻት እታ ዞባ ናይ ቀቢላ ዕጡቓት እንዳመልመለ የውፍር ምህላዉ ይንገር።እቶም ሓይልታት ኣብ ምዝዛም ወርሒ ጥቅምቲ እዉን ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ጎርዶፋን እትርከብ መዓርፎ ነፈርቲ በሊላ ከምዝተቘጻጸሩ ይፍለጥ።
ተራጸምቲ ሓይልታት ኣብ ጅዳ ዳግማይ ይዛተዩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኾይኑ፣ ቀጻሊ ዝምዝገብ ዘሎ ወተሃደራዊ ገስጋስ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንተስፋታት እቲ ዘተሰላም ናብ ዕጽዉ ማዕጾ ከምርሖ ከምዝኽእል እዩ ብሓያለ ወገናት ዝግመት።
በቲ ሻውዓይ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ኩናት ሕድሕድ ሱዳን ዛጊት ህይወት ልዕሊ 9,000 ሰላማውያን ሰባት ጠፊኡ ፣ ኣብ ልዕሊ ዓስርተታት ኣሽሓት ካልኦት መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ኣቐዲሙ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዘካፈሎ ኣሃኣዊ ጸብጻብ እውን ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ሱዳን ክፈናቐል እንከሎ፣ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ካልኦት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ከምዘለዉ እዩ።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ዛጊት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር። ክልቲኦም ወገናት ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ እዪ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ።