ጉጅለ ህግደፍ ፡ ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ መንእሰያት ደገፍቱ ኣብ ዝበኣሰ ሓደጋ ንምእታዉ ዝዓለሙ ሜላታት ካብ ምህንዳስ ከምዘየዕረፈ ተሓቢሩ። እቲ ጉጅለ  ነቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ዝናበሩ ዘለዉ መንሰያት፡ ኣብ ተጻራሪ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ተዓንቂፎ ግዳያት መጥረዝቲ ንምግባሮም ዝተራቐቐ መደብ ሰሪዑ ነቒሉ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር ዘሎ።

ኣካየድቲ መሓውራት ህግደፍ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን፡ “ራብዓይ ግንባር” ኣብ ዝተሰምየ ናይ ጎነጽ ኣሃዱ ዝጥርነፋ ንኡሳን ኣሃዱታት ኣብ ምውዛዕ ዝጓየያሉ ዘለዋ ስራሕ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል ኮይኑ እዚ ድማ ፖለቲካዉያን ዑቕበኛታት ኤርትራዉያን ደጊም መሓዙትን መሓዉርን ጉጅለ ህግደፍ ክኾኑ ምምራጾም ብወግዒ ንመንግስታት እተን ዝነብሩለን ሃገራት ካብ ምሕባር ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።

ህግደፍ ዘዝቐበኣሎም ናይ ጭርሖን ፈኸራን ማልያታት ተኸዲኖም ፍቐዶ ኣኼባታት እንዳተረኽቡ ደጊም ምስቲ ዘሳደዶም ስርዓት ጸገም ከምዘይብሎም ባዕላቶም ዝነግሩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት እምበኣር ነቲ ህግደፍ ጠጂእሎም ዘሎ ዝገዘፈ ሓደጋ ፍጹም ኣየቕለብሉን ዘለው።

ቅድሚ ሕጂ ሃገራት ኤውሮጳ ኽጥርዝኦም ዝሓስባ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ህግደፍ ዜጋታቱ ኸይቅበል ይሕንግድ ብምንባሩ ኣይሰልጠንን ነይሩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን ህግደፍ፡ ካብቲ ሕንገዳ ተኣልዩ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ኪቕበል ተሰማሚዑ ከምዘሎ ብወግዒ ስለዘይሓበረ ነዚ ዘይፈለጡ ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዝነብሩ ስደተኛታት ደገፍቲ ድሕነት መጥረዝቶም ሳላ ኣብያ ህግደፍ ከም ቀደሙ ውሕስ ዘሎ መሲልዎም ኣብዚ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ሃንዲስዎ ዘሎ ረቂቕ መፈንጠራ ኪተሓዙ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ።

“ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት እየ ሃዲመ!” ኢልካ ተዓቚብካላ ኣብ ዘለኻ ሃገር፣ ገጽካ ቀሊዕካ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ትድግፍ ምዃንካ ከተመስክር ምድፋር ዘምጽኦ መዘዝ ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ኪገሃድ ምዃኑ ደጋጊምና ክንሕብር ጸኒሕና ኣለና። ብዙሓት ግሩሃት ኣብቲ ህግደፍ ኣስማትን ዓላማን እንዳቐያየረ ኸካይዶም ተገዲዱ ዘሎ ኣኼባታት ይርከቡን ኣሳእሎም ይስነድን ብምህላዉ እተን ህግደፍ እዩ ኣሳጉግዎም ኢለን ዘዕቈብኦም ሃገራት ኤውሮጳ ንዉሳኔአን ዳግም ክምርምርኦ ክቕሰባ እየን።

ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ፡ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ብኹሉ ወገኑ ንምቚጻይ ነቒሉ ይጓየ ኣብ ዘለወሉ እዋን እቶም ነዚ ንቕሎ ብጉልበታዊ ዓይኒ ጥራይ ዝርእይዎ ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ – ተገሪሆም ገና ግዳያት ይኾኑ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ ዘንጸላልዎም ንዘሎ ሕጋዊ ሓደጋ ኣየስተብህሉን ዘለዉ።