ሓድሽ ኲናት ኣብ ምትዂታዂን ምዉዕዋዕን ዓጸፋ ኪሰርሓ ተነጊርወን ኣብ ሃልኪ ዝርከባ ናይ ዉሽጥን ወጻኢን መሓዉራት ዜና ህግደፍ ሃብቲ ባሕሪ ሃገርና ብሓፈሻ ወደባትና ድማ ብፍላይ፡ ትማል ንግሆ ተዳህሲሶም ከምዝተረኽቡ ጸጋታት ፡ ብድንቂ ይዛረባሎምን ኣሳእሎም የራብሓን ኣለዋ ።

ብሰሪ ህግደፍ ትሕቲ 5 ሚእታዊት ካብ ሃብቲ ባሕሩ ጥራይ ክጥቀም ተገዲዱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከመይ ዝበለ ባህርያዊ ጸጋ ከምዝዉንን ጠፊኡ’ዎ ኸይከዉን ንምዝኽኻሩ ፡ ካርተሊናታት ወደባትን ደሴታትን ሃገሩ እንዳተራብሐ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት መሓዉራት ህግደፍ ይካፈል ከምዘሎ እዉን ተረጋጊጹ ኣሎ።

ተፈጥሮኣዊ ሃብቱ ይዂን ቊጠባዊ ኣገልግሎቱ ኣብ ረብሓ ህዝብና ካብ ዘይውዕል ልዕሊ 30 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ባሕሪ ኤርትራ ሕጂ ሃንደበት ከም መወናወኒ ኲናት ንምጥቃሙ ተደሊዩ  ኩለን መሓዉራት ህግደፍ ብዉልቂን ብዝተወደበን መንገዲ ንህዝቢ ብዛዕባ ኣጥዕዩ ናይ ዝፈልጦ ባሕሩ ኣሳእል ቀሪበን ከዘኻኽርኦ ይፍትና ኣለዋ።

ኢሳያስን ኣቢይን ዝመሻጠርሉ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ብኹሉ ሸነኹ ምኽኒታዊን ጠንቊ ዘፍለጠን ንምግባሩ ህግደፍን መሓዉራት ዜናኡን ኣብ ኩሉዓይነታዊ ጐስጓስ ወፊረን ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ሓቢርና ኢና።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቶም ንሃብቲ ባሕሮም ብዝኣክል መጠን ከይጥቀሙ ዝተኽልኡ ህዝብታት ብቐዳመንት ዝጥቀስ ኮይኑ ህግደፍ ምስ የርብሑኒ እዮም ዝበሎም ትካላት ረብሓ ምስጢራዊ ዉዕላት እንዳኣተወ ንሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ጽላታት ዕደና  ክዘምቶ እዩ ዝርከብ።

ዝበዝሑ ነበርቲ ዞባታት ሰሜናዊን ደቡባዊን ቀይሕ-ባሕሪ ካብ ኢዶም ንኣፎም ዝበቅዕ ዓሳ ጥራይ ኪገፉ ዘፍቅድ ጉጅለ ህግደፍ  እቶም ኣብ ንኡስ ንግዲ ዝነጥፉ ገፈፍቲ ዓሳ ዜጋታትና እዉን እንተኾነ ፡ ንሱ ብዝሰርዖም ሚዛናትን ዋጋታትን እንዳተመዝመዙ፡ ዝገፈፍዎ ብዘይእኹል መለሳ ኪሸጡ እዮም ዝግደዱ።

ካብ ርእሲ ምድራ 1,151 ኪሎሜተር፡ ኣብ እትዉንነን ኣማኢት ደሴታት ድማ ናይ 1,083 ኪሌሜተር -ብጠቕላላ 2,234 ኪሌሜተራት ገማግም ባሕሪ እትዉንን ኤርትራ ነቲ ናብ ዕዳጋታት መላእ ሃገር ዝቐርብ መጠን ሃብቲ ዓሳ ምስ እትዕዘብ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ጥቕሚ ሓፋሽ ከይውዕል ዓጢቚ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘረጋግጽ እዩ።