ኣብ ኩሉ ሸነኻት ክፋል ወሽመጥ ቓዛ ከምኡ’ዉን ኣብ ገለ ከባቢታት ምዕራባዊ ገማግም ዕለታዊ ብዝጽዕቕ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ናይ ዝተቐትሉ ፍልስጤማውያን ቊጽሪ ልዕሊ 10 ሽሕ ምብጻሑ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ይሕብራ ኣለዋ። እዚ ብወግዒ ተፈሊጡ ብዝሒ ምዉታት ኮይኑ ኣብ ፍርስራስ ህንጻታት ተደብዮም ናይ ዘለዉ ግዳያት እንተተነጺሩ እቲ ብዝሒ ክተዓጻጸፍ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

በቲ ሎሚ መዓልቲ ልክዕ ወርሑ ዘቚጽር ዘሎ እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ልዕሊ 40 ሽሕ ካልኦት ፍልስጤማዉያን ቈሲሎም ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።
ሰራዊት እስራኤል ንወሽመጥ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ኣኽቢቡ ኣብ ክልተ መቒልዋ ከምዘሎ ብምሕባር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ወሽመጥ ዝነብር ህዝቢ ብመንገዲ ጎደና ሳላሕ ኣላዲን ናብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ወሽመጥ ኽግዕዝ የተሓሳስብ ከምዘሎ ጸብጻባት የረድኡ። እስራኤል ንመጥቃዕቲ ሓማስ ኣመኽንያ ንህዝቢ ወሽመጥ ቓዛ ናብ ዝተዋሰነ ቦታ ኸተግዕዝን ኣብታ ወሽመጥ ሓድሽን ስትራተጂካዊን ጎበጣ ከተቃንዕን መደብ ኣለዋ ዝብሉ ወገናት እዚ ንነበርቲ ሰሜናዊ ቓዛ ናብ ደቡብ ንምግዓዝ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ናይ ቀረባ ኣብነት ምዃኑ የገንዝቡ።

በቲ ኣብ ነበርቲ ወሽመጥ ቓዛን ዉሱናት ከባቢታት ምዕራባዊ ገማግምን ዝወርድ ዘሎ ህልቂት ዕለታዊ ዘማርር ዘሎ ሕቡራት ሃገራት  ህጹጽ ግዝያዊ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ኽቃናዕ ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ ጻዉዒት ዛጊት ተቐባልነት እስራኤል ኣይረኸበን። ሕቡራት ሃገራት ዛጊት ኣስታት 90 ሰራሕተኛታቱ ኣብ ቓዛ ተቀቲልምዎ ከምዘለዉ ዝግለጽ ኮይኑ እዚ ኣብ ታሪኽ እቲ ኣህጉራዊ ኣካል እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ክሳራ ምዃኑ ይንገር። ኣመሪካ እዉን ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ክህሉ ጻቕጢ-ኣልቦ ጻዉዒታት ተዛይድ እኳ እንተላ ኣብ ባይታ ዘምጸኦ ለዉጢ የለን።

ዝርካበን ትካላት ጥዕና ቓዛ ብሰንኪቲ ወርሑ ኣቚጺሩ ዘሎ ዕጽዋ ዝተፈጥረ ዋሕዲ ሕክምናዊ ቀረባትን ነዳዲን ስራሐን ደዉ ከብላ ተቓሪበን ከምዘለዋ ይሕበር። ከም ዮርዳኖስ ዝበላ ሃገራት መግቢን መድሃኒታትን ካብ ሰማያት ብምድርባይ ዓቕሊጽበታዊ ፍታሕ ሃሰዉ ይብላ ኣለዋ።
እስራኤላዉያን ብፍላይ ድማ እቶም ቤተሰቦም ብሓማስ ዝተጨወይዎም  መንግስቲ እስራኤልን ንምድሓኖም ዝበርቲዑ ክሰርሕ ይጽውዑን ምንቲ እቶም ተጨውዮም ዘለዉ ወገናት መግቢን መድሃኒትን ናብታ ወሽመጥ ኪሰድድን ይጽውዑ ኣለዉ።