ካብ ሱዳን ሃዲሞም ብመንገዲ መተማ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ ዝዕቈብሉ ዘለዉ መዓስከር ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሸፋቱ ኣብ ዉሽጢ እቲ መዓስከር ከምዝተቐትለ ምንጭታት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። ኣብቲ ንእሽተይ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራዉያን ወገናትና ጸጥታዊን ቀረባዊን ጸገማቶም ዕለታዊ እንዳበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ሽግሮም ኣድህቦን ፍታሕን ማሕበረሰብ ዓለም ንኽረክብ ድማ ኩሉ ሃገራዊ ኪሕለቕ ይግባእ ኣሎ።
ኣብቲ መዓስከር ዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍ ልዕሊ ሕጽረት መግቢን መድሃኒትን ነቶም ስደተኛታት የሸግር ከምዘሎ ዝሕብሩ እቶም ምንጭታት ብፍላይ ጸላም ተጎልቢቦምን ኣብ ጸሓይ ቀትሪ እዉን እንተኾነ ገጾም ሸፊኖም ንብረት ስደተኛታት ኣብ ምርሳይ ናይ ዝወፈሩ ዕጡቓት ቊጽሪ ይዛይድ ከምዘሎ የረድኡ።
ካብ ሱዳን ብመንገዲ መተማ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ዝህቅኑ ኤርትራዉያን ተፈናቐልቲ ካብ ኤምባሲኹም ናይ ዉሕስና ፍቓድ ኣይመጸኣናን እንዳተባህሉ ብኣባላት ጸጥታ ይጓነዩን ኣብ ግልል ዝበለ ቦታ ክፍለዩን ምጽንሖም ይንገር።
ኲናት ጽዒቅሉ ካብ ዘሎ ማእከላይ ከባቢ ሱዳን ንምርሓቕ ናብ ከሰላ ዘብሉ ሓያለ ኤርትራዉያን ስደተኛታት እዉን ግዳይ ናይቲ ኣብ ሞንጎ ህግደፍን ሰብሰልጣን ዞባ ከሰላን ዘሎ ናይ ረብሓ መርበብ ይኾኑ ምህላዎም ይፍለጥ። ህግደፍ ነቶም ናብ ከሰላ ኪዕቈቡ መጽዩም ካብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብግዲ ዝቕበሎም ዘሎ ኤርትራዉያን ከም ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኣምሲሉ ኪዛረብ ዝተሰምዐ ኮይኑ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ዝበሃሉ ዜጋታትና ኣብ ከተማ ተሰነይ ከባቢ ኣደርሰር ኣብ ዝረከብ ቤትማእሰርቲ ብምጽናሕ ናብ ታዕሊም ከምዝተወስዱ ኣይርሳዕን።
ብዘይካዚ ነቲ ካብ ከተማ ካርቱም ናብ ዞባ ከሰላ ብሓፈሻ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ወዲሸሪፈይ ከኣ ብፍላይ ዝግዕዝ ዘሎ ብዝሒ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተዓዘበ ጉጅለ ህግደፍ ብከዉሊ ሰራዊት ሰዲዱ ነቶም ስደተኛታት ብግዲ ጽዒንካ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ወፍሪ ይቕጽሎ ኣሎ።
ሓያለ ካብ ሱዳን ናብ ከም ደቡብ-ሱዳን ኢትዮጵያን ግብጺን ከብሉ ዝደልዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብኣሰጋገርቲ ልዑል መጠን ገንዘብ እንዳተሓተቱ ከይኣክል ካብ ሰብመዚ ኢሚግሬሽንን ሓለዋ ዶባትን እተን ሃገራት ተወሳኺ ምዝመዛ ገና ይገጥሞም ከምዘሎ እዉን ይንገር።