እስራኤል ድሕሪ ምዝዛም ናይ’ቲ ትወስዶ ዘላ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንወሽመጥ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ጸጥታዊ ምሕደራ ከተእትዎ መደብ ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቢንያሚን ነታንያሁ ብወግዒ ተዛሪቡ።
ንሱ ምስ ተለቪዥን ኤ.ቢ.ሲ ኣብ ዘቃነዖ ቃለ መሕትት ንምንቅስቓስ ሓማስ ኣብ’ታ ወሽመጥ ምሉእ ብምሉእ ንምድቃቚ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ድሕሪ ምዝዛሙ እታ ወሽመጥ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ትሕቲ ጸጥታዊ ምምሓዳር እስራኤል ኪትጸኒሕ ተተሊሙ ከምዘሎ ኣነጺሩ።
ብዙሓት ወገናት ነቲ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ተጽዕቘ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኪንዮ ምድቓቕ ዕጡቓት ሓማስ ዝኸይድ ካልእ ሕቡእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ከምዘሎ ኪምጒቱ ጸኒሖም እዮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝኾነ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ኪነጽግ ዝጸንሐ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓማስ ኣብ ኢዱ ሒዝዎም ዘሎ ልዕሊ 200 እስራኤላዉያን ኪለቅቕ እንተወሲኑ ግዝያዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ንምግባር ታክቲካዊ ቅሩብነት ክህልዉ ከምዝኽእል ኣአንፊቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ እስራኤል ንሰላማዊ ዝርርብ ይዂን ግዝያዊ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ፍጽሙ ኽትቅበል ከምዘይኮነት ብተደጋጋሚ ኪገልጽን ሓማስ ጠቕሊሉ ክሳብ ዝድምሰስ ድማ እቲ ዂናት ደዉ ከምዘይብል ከፈራርህን እዩ ዝስማዕ።
በቲ ወርሑ ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሓለፋ ዝግድዑ ሰለዉ ሰልማዉያን ሰባት ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ በቲ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ቓዛን ገለ ሸነኻት ምዕራባዊ ገማግምን ዘጽዕቕዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ልዕሊ 4 ሽሕ ዝርከብዎም ልዕሊ 10 ሽሕ ፍልስጤማዉያን ተቐቲሎም ኣለዉ።
ሰራዊት እስራኤል ንወሽመጥ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ኣኽቢቡ ኣብ ክልተ መቒልዋ ከምዘሎ ብምሕባር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ወሽመጥ ዝነብር ህዝቢ ብመንገዲ ጎደና ሳላሕ ኣላዲን ናብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ወሽመጥ ኽግዕዝ ክጽውዕ ምጅማሩ ይፍለጥ። እስራኤል ንመጥቃዕቲ ሓማስ ኣመኽንያ ንህዝቢ ወሽመጥ ቓዛ ናብ ዝተዋሰነ ቦታ ኸተግዕዝን ኣብታ ወሽመጥ ሓድሽን ስትራተጂካዊን ጎበጣ ከተቃንዕን መደብ ኣለዋ ዝብሉ ወገናት እዚ ንነበርቲ ሰሜናዊ ቓዛ ናብ ደቡብ ንምግዓዝ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ናይ ቀረባ ኣብነት ምዃኑ ክእምቱ ቀንዮ እዮም።