መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ምምሕያሽን ቊጠባ ሃገር ኣብ ምሕያልን ልዑል ኣበርክቶ ኽህልዎ ዝነበሮ ባሕርና ብሰንኪ ሕመቕ ህግደፍ ኣገልግሎታቱ ናብ ዝተሓተ ብርኪ ወሪዱ ፍጹም ካብ ረብሓ ህዝቢ ኣርሒቚ ኸይኣክል ሕጂ መጋብርያ ሓድሽ ኲናት ኣቢይን ኢሳያስን ኾይኑ ተወሳኺ ህይወት ኤርትራዊ መንእሰይ ንምህላቕ ይጒየ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
ድሕሪ ናጽነት ደሓን ዝኾነ ገስጋስ ከመዝግብ ዝተራኣየ ጽላት ባሕሪ፡ ካብ 2000 ጀሚሩ ዝነበሮን ዝወሰኾን ሰባዊን ዓይነታዊን ቆመና ኽበርስ ተገይሩ ፡ ዝበዝሑ ሞያተኛታትን ሰራሕተኛታት እቲ ጽላት ናብ ስደት ከምርሑ፡ ዝርካቡ ትሕተ-ቅርጺ ድማ ኽድስክል ከምተገብረ ይግለጽ።
ኣብ እዋን ገድሊ ተመስሪቱ፡ ምስ ዘይነዓቕ ፍልጠትን ተመክሮን ዝኣተወ መስመር ንግዳዊ መራኽብ ኤርትራ ኣብዚ ግዜ’ዚ ፡ ዝበዝሓ መራኽቡ ከምእተሸጣን ዝተሓረጃን እዚ ኮነ ኢልካ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተሰርሓሉ ኮይኑ ብ ሃባትም ደቂ ከምዝተዳቐቓ ይፍለጥ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳማይ ተረባሒ ናይቲ ብደረጃ ዓለም ዝነጠፈ ንግዳዊ መስመር ምዃኑ ዝንገረሉ ባሕሩ ኸይከዉን፡ ዝነኣሰ ዕድል እዉን ይኹን ለኲቱ እንዳሃለወ እዩ፣ ሕጂ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ከጽንሖም ዝኽእል ድራማ ኲናት ሓንጺጹ ንተወሳኺ ህልቂት መንእሰያትና ዝጓየ ዘሎ።
ብሸነኽ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ባሕሪ ኤርትራ ኩሎም ዓይነታት መግለጺታትን ርይቶታትን ብወግዒ ኪወሃቡ ካብ ዝጅምሩ ልዕሊ 5 ዓመታት ሓሊፉ ክንሱ ዝኾነ ተቛውሞ ይዂን ግብረመልሲ ክህብ ዘይጸንሐ ህግደፍ ሕጂ ደኣ እንታይ ኮይኑ ንድፍረት ኢትዮጵያዉያን ኣብ ልዕሊ ልኣላዉነት ኤርትራ የቕልበሉ ኣሎ ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲ ምዃኑ እዮም ምንጭታት ኤሪሳት ዘገንዝቡ።