ኣብ ደንበ ፍትሒ ተደብሊቘም ናህሪ ቃልሲ ከደናጉዩ ዝጸንሑ ኣማኢት ተወላወልቲ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ሓቀኛ ሕብሮም ኣፍሊጦም ኣርሒቘም ብምህላዎም ደንበ ፍትሒ ዓጸፋ የስልጥ ከምዘሎ ምንጭታት ኤሪሳት ደጊሞ ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ነዚ ዝሓበሩ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኣብ መስርሕን ግዜን መመሊሱ ይጸሪን ቃርማታቱ ይኣሊን ከምዘሎ ዳግም ንምዝኽኻር እዮም።
ህዝቢ ኤርትራ ከም’ቲ ናይ ልኣላውነቱ ሓርነቱ ንምርግጋጽ ኣብ ዝሃልኮ ዘሎ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ካብን ናብን እንዳተጻፍዑ ኽዋስኡ ዝጸንሑ ኣምሰልቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ መን ምዃኖም ብዓውታን ብርእዮን ኣፍሊጦም ስለዘልገሱ ኣብ ደንበ ፍትሒ ነዊሕ እዋን ተጸሚኡ ዝነበረ መንፈስ ሓባራዊ ዕዮ ይዛይድ ኣሎ።
ንኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ብውሽጢ ነዊሕ ዘቋሰልዎ ባእታታት፡ ግዜኦም ኣኺሉ ስለዝወጽሉ እንሆ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ተግባራዊ ቃልሲ ዓሲሉ ዓወት ይደራርብ ኣሎ። ጉዕዞ ኤርትራዊ ቃልሲ ንፍትሒ ሓርጓጽ ኾይኑሉ ዝጸንሐ ቀንዲ ምኽንያት ልቦም ዘየውደቚን ወቕቲ ዘሰንፎምን ተወላወልቲ ኣብ ማእከሉ ሓቚፉ ብምጽሑ ጥራይ እዩ።
ንቃልሲ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኽጐሱ ዝጸንሑ ተወላወልቲ ንነብሶም ካብ’ቲ ቃልሲ ባዕሎም ምጽሃዮም፡ ንደንበ ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራን ዓቢ በረኸት ምዃኑ እዉን ኽንርዳእ የድሊ።
እዞም ንኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ራሕሪሖም ዘለዉ ወገናት፡ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ብስም ሓድነትን ሃገራውነትን እንዳዘመሩ ክሕደቶም ከመኽንዩ ይረኣዩ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ግን ጉዳይ ሓድነትን ሃገራውነትን ዘይኮነ፡ ነቲ ሓድነትን ሃገራውነትን ከም መሳርሒ ምልኪ ተጠቒሙ፡ ንመላእ ሃገር ኣብ ባርነትን ኲናትን ዘዳኽም ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ኣጸቢቘም ይፈልጡ እዮም።
ብሓድነቱን ሃገራውነቱን ተማቲኡን ተሻቒሉን ዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ደንበ ፍትሒ ነዚ ሓድነትን ሃገራዉነትን ንምብትታን ይሰርሕ ከምዘሎ ኣምሲልካ በዞም ተወላወልቲ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ድሕሪ ህድማ ተዋስኦ ንኹሉ ሓቀኛ ደላይ ፍትሒ ከስሕቕ ይርከብ።