ጥልያን ነቶም ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተዉ እተድሕኖም ስደተኛታት ዝኸዉን ክልተ መዓስከር ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣልባንያ ክትሃንጽ ምዃና ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጂርጂያ ሜሎኒ ሓቢራ። ንሳ ነዚ ዝሓበረት ንኣልባንያዊ መዘነኣ ኤዲ ራማ ኣብ ከተማ ሮማ ረኺባ ድሕሪ ምዝርራባ እያ።
እቲ መደብ ነቶም ናብ ገማግም ጥልያን ኪበጽሑ ዝኸኣሉ ስደተኛታት ከምዘይምልከት ዝሓበረት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣብ ማያት ማእከላይ ኣብ ጸገም ወዲቘም ብስርሒታት ምድሓን ህይወት ይኹን ካልኦት መራኽብ ጥልያን ዝደሓኑ ስደተኛታት ግና ሻቡ ናብ ኣልባንያ ኪግዕዙ ምዃኖም እያ ኣረዲኣ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት ገጢምዎ ዘሎ ጽዑቕ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣባላት ሃገራት ብተናጸል ኪጸርኦ ከምዘይክእላ ዘተሓሳሰበት እታ ኢጥልያዊት መራሒት እቲ ምስ ጎረቤት ሃገር ኣልባንያ ተኣትዩ ዘሎ ስምምዕ ብዓይነቶ ናይ ፈለማ ከምዝኾነ ኩለን ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ድማ ተመሳሳሊ ተበግሶ ኣብ ምዉሳድ ክደፍራ ጸዊዓ።
ንዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት ዝተረረ ስጒምቲ ብምዉሳድ ክትዓግቶ ምዃና ቃል ኣትያ ናብ ስልጣን ዝበጽሐት ዓቃባዊት ጆርጅያ ሜሎኒ፣ ስራሕ ካብ ትጅምር ሓያለ ስጒምትታት እኳ እንተወሰደት፣ ናብ ሃገራ ዘብል ዋሕዚ ስደተኛታት ኪዛይድ እምበር ክንኪ ኣይተራእየን። ብመሰረት መንግስታዊ ሰነዳት ጥልያን፣ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ዛጊት 145 ሽሕ ስደተኛታት ናብ’ታ ሃገር ከምዝኣተዉ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዝተመዝገበ ኣሃዝ ብከባቢ ዕድፊ ዝዛይድ እዩ። ኣብ 2022 ኣስታት 88 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ጥልያን ከምዝኣተዉ ይንገር።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ መራኽብ ኲናት ሰሪዑ ዋሕዚ ስደተኛታት ኪዓግት ብተደጋጋሚ ትጽዉዕ ምህላዋ እዉን ይንገር።
ብዋሕዚ ስደተኛታት ዝናወጽ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ዜጋታተን ኣብ’ቲ ጉዳይ ተሪር መርገጺ ንዘለዎም ፖለቲከኛታት ናብ መሪሕነት ኪመጹ ይጠልቡ ምህላዎም ይፍለጥ። ናይዚ መርኣያ ድማ’ዩ ኣብ ሓያለ ሃገራት እታ ኣህጉር ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎም ሰልፍታት ናብ ስልጣን ዝበጽሑ ዘለዉ።
ብመሰረት እዋናዊ ጸብጻብ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 190 ሽሕ ስደተኛታት በቲ ማያዊ መስመር ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተዉ ክፍለጥ እንከሎ ካብዚኦም ልዕሊ 80 ሚታዊት ናብ ጥልያን፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ከም ግሪኽ፡ ቈጵሮስ፡ ማልታን ስጳኛን ዘበሉ እዮም።
እቲ ኣገራዊ ኮይኑ ዘሎ፣ ካብቶም ናብ ኤውሮጳ ዝበጽሑ እቶም ልዕሊ 120 ሽሕ ካብ ገማግም ቱኒዝያ ምዃኖም እዩ። ዝተረፈ ድማ ካብ ሊብያ ተበጊሶም።
ኣብ 2013 ዛጊት ደሃይን ህይወትን ልዕሊ 2,500 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥፋኡ እዉን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ይሕብር። ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ ድማ ካብ 2014 ዛጊት ኣስታት 28 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ የረድእ።