ኣብ ጂዳ ዝዘራረቡ ዘለዉ ወከልቲ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ምዝላቕ ውሑስ መንገድታት ሰብኣዊ ረድኤትን ዓቲቦም ኪሰርሑ ከምዝተረዳድኡ ሓቢሮም። ክልተኣዊ ምትእምማን ኣብ ዘርጒዱ መዳያት ቅሩብነት ከመስክሩ ምዃኖም ዝገለጹ እቶም ወገናት ብዛዕባ ህጹጽ ምቊራጽ ተጻብኦ ኣመልኪቶም ግን ዝኾነ ቃል ኣየምሎቚን ።
እቲ ኣቐዲሙ ብኣላይነት መንግስታት ስዑዲ ዓረብ ኣመሪካ ከምኡዉን ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተጀሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ደሓን ዝኾነ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ዝነበረ ዘተ ሕጂ ድማ ውድብ ኢጋድ ተጸንቢርዎ ይካየድ ምህላዉ ይንገር።
እቲ ዘተ ቀዳምነት ዝሃቦ ጉዳይ ሰብኣዊ ምቊራጽ ተጻብኦ ኾይኑ እቶም ኣብ ባይታ ገና ካብ ግጭት ዘየዕረፉ ዘለዉ ክልተ ሱዳናዉያን ሓይታት ኣልዚብካ ኣብ’ቲ ጉዳይ ኪረዳድኡ ንምግባር ብዙሕ ጻዕሪን ቀጥታዊ ጸቕጢን ከድሊ ከምዝመስል እዮም ክዝረብ ጸኒሑ።
ክልቲኦም ወገናት ዝሓለፈ 11 ግንቦት ኣብ ጂዳ ናይ ስዑዲ-ዓረብ ዝኸተምዎ ስምምዕ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ መሰላቱን ንኽሕሎ ዘለዎም ቅሩብነትን ብምንጻር ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ዝተናውሐ ግዝያዊ ምቊራጽ ተጻእኦ ኪሕትሙ ተረዳዲኦም እኳ እንተነበሩ ምስ ግዜ እቲ ኣገዳሲ ስምምዕ ክጠሓስ ብምጽንሑ ዛጊት ኣብ ባይታ ዝተጨበጠ ፍረ የለን።
ብዘይካ’ቲ ናይ ጂዳ ስምምዕ ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ካልኦት ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ፡ ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ እዪ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ።
በቲ ሻውዓይ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ኩናት ሕድሕድ ሱዳን ዛጊት ህይወት ልዕሊ 9,000 ሰላማውያን ሰባት ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ ዓስርተታት ኣሽሓት ካልኦት መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ሱዳን ክፈናቐል እንከሎ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ካልኦት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ ።