ነቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ሰሪቱ ዘሎ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ወከልቲ ሰራዊት ፈደራልን ላዕለዋይ መሪሕነት ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ከተማ ዳረሰላም ናይ ታንዛንያ ዳግማይ ይላዘቡ ኣለዉ። ፈላሚ ርክብ እቶም ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ካልእ ታንዛንያዊት ከተማ ማለት ዛንዚባር ከምዝተኻየደን ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ኣይርሳዕን።
ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እሙናት ካብ ዝበሎም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣዛዚ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝኾነ ኩምሳ ዲርባ ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ዘተ ይሳተፍ ከምዘሎ እዩ። እቲ ጃል ማሮ ብዝብል ቅጽል ዝልለ ኣዛዚ ናብ ታንዛንያ ንምብጻሕ ካብ’ቲ ዝቃለሰሉ ጫካታት ምዕራባዊ ኦሮሞ ብነፋሪት ከምዝተወስደ ንመጀመርያ እዋን ድማ ምስ ወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣካል ክዘራረብ እዩ።
እዚ ካልኣይ ዘተ ድሕሪ’ቲ ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፈደራላዊን መንግስት ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሞን ምስ ክልተ ወኪላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንሰሙናት ከካይድዎ ድሕሪ ዝጸንሑ ዝርርብ እዩ ከዉን ኮይኑ ዘሎ። ኣብቲ ንመንግስቲን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ንምቅርራብ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ዝኻየድ ዘሎ ጻዕሪ ውድብ ኢጋድ ብሓፈሻ ጸሓፊ እቲ ዞባዊ ኣካል ዝኾነ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ድማ ብፍላይ ልዑል ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ ይንገር።
እቲ ፈለማ ኣብ ከተማ ዛንዚባር ዝተቓንዐ ዘተ ብሓፈሻኡ ሃነጽቲ ሓሳባት ዝመንጨውሉ ምንባሮም እንተኾነ ኣብ ገዘፍቲ ጉዳያት ናብ ምርድዳእ ክብጻሕ ከምዘይከኣለ ንቐጻሊ ምይይጥን ሰላማዊ ልዝባትን ግን ባይታ ዘንጽፍ ከምዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።
ብመንግስታት ኬንያን ኖርወይን ተሰላሲሉ ብኣላይነት ኢጋድን ዝጸዓረሉ ዘሎ እቲ ዘተ ሰላም ነቲ ንዓመታት ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ዕጡቓትን ኣብ ክልል ኦሮሞ ሰሪቱ ዘሎ ግጭት ኣብ ምዝላቕ ልዑል ጽልዋ ኪህልዎዩ ዝብል ተስፋ ዝተነብረሉ እኳ ኣንተኾነ ኣብ ሞንጎ እቶም ክልተ ተራጸምቲ ወገናት ሰሪቱ ዘሎ ገዚፍ ፍልልይ ንምጽባብ ግን ዝተወሃሃደን ኣህጉራዊ ጻዕሪን ጸቕጢን ከምዘድሊ ይዝረብ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ነባሪ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ዕጡቓት ተቛወምቲ እቲ ክልል ብሓፈሻ ምስ’ቲ ሸነ ኢሉ ዝጠቕሶ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ድማ ብፍላይ ናብ ሰላማዊ ዘተ ኪኣቱ ተደጋጋሚ ጻዉዒት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።
ካብ ሓይልታት ኣምሓራ ዝዛይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ብድሆ ኣሻቒልዎ ዘሎ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝዓርግ ዘሎ ተመሳሳሊ ጸጥታዊ ስግኣት ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ ዘይስገር ምርጫ ኮይኑዎ ከምዘሎ እዉን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይትንትኑ።