ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ህግደፍ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተባተኸ ንምውካእ ኣብ ናይ ትዊተር (ናይ ሕጂ ኤክስ) ሒሳቡ፡ ካብ ሕዳር 2018 ሰሚርዎም ዝነበረ ንፈላሚ መገሻ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራን ሽዑ ዝነበረ ትስፉው ሃዋህዉን ዘነጸባርቚ ስእልታት ኣዉሪድዎ ኣሎ። እቲ ሚኒስተር ከም መተካእታ ንማያዊ ጸጋታት ኤርትራ ዝዝርዝር ትሕዝቶ ሰቒሉ ኣሎ።
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ነቶም ንሓሙሽተ ዓመታት ሰቒልዎ ዝነበረ ኣሳእላ ሕጂ ከዉርዶም ኤርትራ ብባሕሪ ዝጸገወት ምዃና ብዘመስክር ሓበሬታ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ኤርትራ ድማ ክትክኦ ምምራጹ ኣካል ናይቲ ብህግደፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝጽወት ዘሎ ድራማ ኲናት ምዃኑ ኣየማትእን።
ሓድሽ ኲናት ኣብ ምትዂታዂን ምዉዕዋዕን ዓጸፋ ኪሰርሓ ተነጊርወን ኣብ ሃልኪ ዝርከባ ናይ ውሽጢን ወጻኢን መሓውራት ዜና ህግደፍ ሃብቲ ባሕሪ ሃገርና ብሓፈሻ ወደባትና ድማ ብፍላይ፡ ትማል ንግሆ ተዳህሲሶም ከምዝተረኽቡ ጸጋታት ፡ ብድንቂ ይዛረባሎምን ኣሳእሎም የራብሓን ከምዘለዋ ተሓቢሩ እዩ።
ብሰሪ ህግደፍ ትሕቲ 5 ሚእታዊት ካብ ሃብቲ ባሕሩ ጥራይ ክጥቀም ተገዲዱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከመይ ዝበለ ባህርያዊ ጸጋ ከምዝዉንን ጠፊኡ’ዎ ኸይከዉን ንምዝኽኻሩ ፡ ካርተሊናታት ወደባትን ደሴታትን ሃገሩ እንዳተራብሐ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት መሓዉራት ህግደፍ ይካፈል ከምዘሎ እዉን ክንሕብር ቀኒና ኢና።
ተፈጥሮኣዊ ሃብቱ ይዂን ቊጠባዊ ኣገልግሎቱ ኣብ ረብሓ ህዝብና ካብ ዘይውዕል ልዕሊ 30 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ ባሕሪ ኤርትራ ሕጂ ሃንደበት ከም መወናወኒ ኲናት ንምጥቃሙ ተደሊዩ ኩለን መሓዉራት ህግደፍ ብዉልቂን ብዝተወደበን መንገዲ ንህዝቢ ብዛዕባ ኣጥዕዩ ናይ ዝፈልጦ ባሕሩ ኣሳእል ቀሪበን ከዘኻኽርኦ ይፍትና ምህላወን ይፍለጥ።
ኢሳያስን ኣቢይን ዝመሻጠርሉ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ብኹሉ ሸነኹ ምኽኒታዊን ጠንቊ ዘፍለጠን ንምግባሩ ህግደፍን መሓዉራት ዜናኡን ኣብ ኩሉዓይነታዊ ጐስጓስ ወፊረን ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ሓቢርና ኢና።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቶም ንሃብቲ ባሕሮም ብዝኣክል መጠን ከይጥቀሙ ዝተኽልኡ ህዝብታት ብቐዳመንት ዝጥቀስ ኮይኑ ህግደፍ ምስ የርብሑኒ እዮም ዝበሎም ትካላት ረብሓ ምስጢራዊ ዉዕላት እንዳኣተወ ንሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ጽላታት ዕደና ፣ ክዘምቶ እዩ ዝርከብ።