መንእሰያዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ደጊም ንድሕሪት ዘየብል ገዚፍ ሃገራዊ ማዕበል ለውጢ ከምዝኾነ በቶም ኣብ ዋዕላታቱ ዝንጸባረቚ ዘለዉ ዉድባዊ ጽፈትን ብዝሒ ተሳተፍትን ይምስከር ኣሎ። ብርጌዳዉያን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዓባይ ብርጣንያን ዳላስን ዕዉት ዋዕላ ምክያዶም ክፍለጥ እንከሎ ኣብቶም ዋዕላታት ዝተራእየ ብዝሒ ተሳተፍቲ  ህግደፍ ብዛዕባ እዚ ነቒሉ ዘሎ መንሰያዊ ሓይሊ ንጹር ርድኢት ክሕዝ ዝገብር እዩ።

ብርጌዳዉያን ዓዲ እንግሊዝ ብቀዳም 11 ሕዳር ኣብ ከተማ ሎንዶን ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንጥፈታት ቃልሲ ከምኡ’ዉን ፋይናንስ ደቂቕ ጸብጻብ ብመንገዲ ወከልቲ ጨናፍር ከተማታት ብምቕራብ ኣብ መጻኢ ኪመሓየሹ ብዛዕባ ዝድለዩ ኣሰራርሓታት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦምን ኣዐረይቲ ነጥብታት ኣነጺሮምን።

ድሕሪ’ዚ ብርጌዳዉያን ዓዲ-እንግሊዝ ፡ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት እተካይዶም ካብ ኩለን ጨናፍር ከተማታት ዝተወከሉ ዝኣባላታ ሓዳስ መሪሕነት ብምምራጽ መጻእቲ መደባት ድሕሪ ምክፋል ተሳተፍቲ ነቲ ዋዕላ ከማዕርጉ ብዝመጹ ስነጠበበኛታት እንዳተዛነዩ ዓወቶም ጸንቢሎም።
ናይ ከተማ ዳላስ እዉን ካብዝቲ ናይ ለንዶን ብዘይፍለ ልዑል ቊጽሪ ተሳተፍቲ ዘካተተ ኣገደስቲን ኣስራሕቲን ዉሳኔታት ዘሕለፈን ዕውት ዋዕላ ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብርጌዳዉያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዛጊት ካብ 19 ግዝኣታት ዝዉከሉ ብባይቶኣዊ መንገዲ ስርሓታ ኣተቃንዕ መሪሕነት ክትጣየስ ተረዳዲኦም።

ኣብቲ ናይ ከተማ ዳላስ ዋዕላ ገዳይም ተቓለስቲን ተጋደልቲን ተረኺቦም ተመክሮን ምኽርን ክልግሱ ኣንከለዉ ተወከልቲ ጫናፍራት እውን ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበሎም ሕቶ መሊሶምን ርእይቶታት ተቐቢሎምን።
ዋዕላ ዳላስ ልክዕ ከምቲ ናይ ለንደን ዉዕዉዕ መንፈስን ተስፋን ዝተንጸባረቐሉ ኾይኑ  ነቲ ኣጋጣሚ ከማዕርጉ ዝመጹ ስነጠበበኛታት ተቓለስቲ እዉን ወኒ ቃልሲ ዘበርኽ መሰናድኦ ኣካዊኖም።
ኣብቲ ናይ ዳላስን ለንዶንን ዋዕላታት ዝተራእየ ብዝሒ ተሳተፍቲ ብፍላይ ድማ መናሰያትን ደቂኣንስትዮን  ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ክሳብ ክንደይ ህዝባዊ ሰረትን ተቀባልነትን የዕቢ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።

ኣብ ፈለማ ህግደፍ ንቕሎ ብርጌዳውያን ናይ ጎነጽን ደምነትን መስሊዎ፡ ተረጋጊኡ ነቲ ኩነታት ምስ ህዝቢ ኪፋተወሉን እዩ ሓሲቡ ኔሩ። እንተኾነ ዕላማ እቲ መንእሰያዊ ማዕበል ዕለታዊ እንዳተነጸረን  ህዝባዊ ተቐባልነቱ እንዳተዓጻጸፈን ምስ መጸ እቲ ናይ ምልኪ ጉጅለ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዩ ብዛዕባ እቲ ስሙ ኣልዒልዎ ዘይፈልጥ ደንበ ፍትሒ ብተደጋጋሚ ኪዛረብ ተገዲዱ ኣሎ።