ንዋዕላ ስዑድያ-ኣፍሪቃ ኣብ ሪያድ ዝቐነዩ መራሒ ህግደፍን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ኪተሃላለኹ ተራእዮም። ተረሓሒቘምን ተቐያዪሞምን ከምዘለዉ ንምምስካር ንኹሉ ግሁድ ዝኾነ ምንቅስቓሳት ከንጸባርቚ ዝተራእዩ እቶም ክልተ መራሕቲ ብፍላይ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብቐንዱ ድማ ሃገራት ምብራቓዊ ኣፍሪቃ በብወገኖን ርክባት ከጽዕቚ ተራእዮም።
ብዘይካ’ዚ መራሒ ህግደፍ ምስ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት መንግስቲ ስዑድያ ኣብ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ክህሉ ብዛዕባ ዝድለ ምድግጋፍ ጸቒጡ ከምዝተመያየጠ ክርዳእ ተኻኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ዋዕላ ዘስመዖ መደረ ሕጂ’ዉን ኣብ ልዕሊ ታሪኽን መሬታዊ ግዝኣትን ኤርትራ ተዂታዂ ዕላል ከልዕል ተሰሚዑ። ንታሪኻዊ ዝምድናን ስዑድያ ኢትዮጵያን ንከዘኻኽር ገዘፍቲ ዛንታታን ጆግራፋትን ነጢሩ ነቲ ኣብ ማያዊ ገማግም ኤርትራ ኣብ እዋን ባሕሪ ነገስታት ዝተመዝገቡ ፍጻሜታት ዋንነት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዘመላኽት ትረኻ ክዝርዝር እዩ ተሰሚዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቶም ካብ ቅንጸላ ሃዲሞም ኣብ ማያዊ ገማግም ኤርትራ ዑቕባ ዝረኸቡ ሰዓብቲ ነቢዩ መሓመድ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ከምዝተዓቑቡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ስዑዲን ዘሎ ታሪኻዊን መንፈሳዊን ዝምድናታት ጭቡጥ መርትዖ ከምዝኾነ እዩ ሞጒቱ።
ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝዶርጎሖ ጥሙሕ ከምዘለዎ ኣብ ሓሳቡ ኣቐሚዩዎ ይጓዓዝ ምህላዉ በቲ ኣብ ከተማ ርያድ ኣስሚዕዎ ዘሎ ዘረባ ኪረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ።