ምስ’ቲ ኣብ ምዝዛም ዓመተ 2017 ዘጋጠመ ተቛዉሞ መንሰእያት ተማሃሮ ድያእ ኣልስላምያን፡ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምዕባለታትን ብዝተተሓሓዘ ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ካብ ዝጸንሑ ተመሃሮን ወለዲን ሕጂ’ዉን 16 ብዋሕስ ከምዝተፈትሑ ራድዮ ኤረና ሓቢራ።

ብጉዳይ ምሕደራ ቤት ትምህርቲ ኣድያእ ኣልስላምያ ኣብ ምዝዛም ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2017 ኣብ ዝተላዕለ ተቛውሞ በቲ ሓደ ነቲ ናዕቢ ካብ ዝበገስኩም ኢኹም ተባሂሎም ንዝተኣስሩ’ሞ ኣብ መጋቢት 2018 ኣብ’ታ ዝተኣሰርዋ ንዝመቱ መንፈሳዊ ኣቦ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ኣብ ቀብሮም ብምስታፎም ድማ በቲ ኻልእ ዝተኣስሩ ዓሰርተታት ዜጋታት፡ በብዋኑ ብዋሕስ ክፍትሑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሬድዩአ ኤረና  እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተፈቲሖም ዘለዉ ተመሃሮን ወለዲን ነፍሲ ወከፎም ናይ ልዕሊ 150 ሽሕ ናቕፋ ዝግምት ዋሕስ ተኺሎም ከምዝወጽኡ እዩ። ብዘይካ’ቶም ኣብ ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ዝተረጋገጸ ወገናትና ካልኦት ሰለስተ መምሃራን ኣድያእ ኣልስላምያ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ንኣበየ ህዌኦም ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ እዉን ይንገር።

ወዲ 93 ዓመት ኣቦና ሓጂ ሙሳ ወዲ 70 ዓመት ኣቦና ሓጂ ኢብራሂም ዮኑስ  ከምኡው’ን ወዲ 30 ዓመት መንሰይ ስዒዲ መሓመድ ዓሊ ኣብ ዘዝተኣስሩለን ቦታታት ሞይቶም ዘለዉ ዜጋታትና እዮም።
ህግደፍ ፡ ኣብ ነጻነታት እመነት ዛጊት ዝኾነ ምምሕያሽ ከምዘየመዝገበ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ፡ ተኸተልቲን ትካላትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝፍጽሞ በደልን ቀይዲን ድማ ከም ዝነበሮ ይቕጽል ከምዘሎ’የን ዝተፈላለያ ኣህጉራዉያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሳ።