ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ  ንኢሳያስ ከም መለኮታዊ መራሒ ንምርዓም ፡ ንመንፈሳዊን ሃይማኖታዊን ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ብግህዶ ዝጥሕሱ ግጥምታትን ተዋስኦታትን ክዝርግሑ ምፍቃዱ  እቲ ጉጅለ ህዝባዊ ደገፍ ጠፊሽዎ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ከምዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ ጸብጻብት ይሕብሩ ኣለዉ። ክሳብ ንኢሳያስ ምስ ፈጣሪ ከመዓራርዩ ዝፍትኑ ስነጥበባዊ ስራሓት ናብ ህዝቢ ኪቐርቡ ይፍቀድ ከምዘሎ ተመሳሳሊ ስራሓት ኪዉሰኽ ድማ ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ምትብባዕ ይግበር ከምዘሎ እዮም እቶም ጸብጻባት ዘረድኡ።

ኣብ ልዕሊ ክብሪ ልዕልና ድሕነትን ለምዒን ኤርትራን ህዝባን ኲናት ኣዊጁ ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ ክብርታት ሕብረተሰብን ኣተሓላልዋኦምን ኪእነን ከምዘየምሕረሉ ኽርዳእ ይግባእ። ህግደፍ ንንቡርን ክቡርን ልምድታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብኣሉታ ኣርቢሑ ንብታኔ ሃገር ከይሰልከየ ዝሰርሕ ዘሎ’ዩ።

ኩሉዓይነታዊ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዳማዊ ወራር ይሕሉ ኣለኹ እንዳበለ ዝወራዘ ጉጅለ ህግደፍ፣ ንሱ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ’ቶም ክብርታት ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ኣብ ሓጺር ግዜ ኪጽገን ዘይከኣል ዕንወት የዋህልል ከምዘሎ ይፍለጥ።
ህግደፍ ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢን ኣውሪድዎ ዘሎ ሕሰም መነባብሮን ቊጠባዊ ድሕረትን ኣብ ብርሰት ኤርትራዊ ባህሊ ስነምግባርን ክብርታትትን’ዩ ዕጽፊ ኣትኪሉ ሰሪሑ። ኩሎምቶም ህዝቢ ኤርትራ ንዘመናት ዝኾስከሶም ክብርታት ፈሪሃ ፈጣሪ  ፍትወት ሓቒ  ኣኽብሮት ዓበይቲ ዘይምቕታል ብሓሶት ዘይምምስካር  ኮነ ኢልካ ከምዝቡሕጎጉን ብግምጣሎም ብዝረኣዩ ባህርታት ከምዝትክኡን ኽግበር ጸኒሑ።

ሕመረት ናይ ሕብረተሰብ ኽትከውን ዝግባኣ ስድራቤት ከምእትበታተን ወለዲ ኣብ ክንዲ ዝተሓቓቖፉ ከምዝፈላለዩ ዝገብር ህጻናት ብሃይማኖታዊን ሕብረተሰባዊን ክብርታት መታን ከይህነጹ ብስም’ቶም ንልምዓት ሃገር ብቕንዕና ዘይነቐሉ ክረምታዊ ማእቶት ሃገራዊ ኣገልግሎት :ፈስቲቫላት: ካርኒቫላት: ኣብ ሕጊ ግዳም ሓደርነት ከምዝዓብዩ ዝገብር ዘሎ ህግደፍ ሕጂ ዝጽየቕ ምስ ጸየቐ እቲ ከም ፈጣሪ ከተምልኽዎ ዝግባእ ኣነ እየ ክብል ጀሚሩ።
ስለዚ እዚ እዋን እዚ ልዕሊቲ ኣብ ህንጻን ቑጠባን ሃገርና ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ውድቀት ኣብ ክብርታትን ኣተሓሳስባን :ኣብ ታሪኽን መንፈስን: ኣብ ባህልን ሰብኣውነትን: ኣብ እምነትን ስነምግባርን ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ኣሻቒሉና ሓላፍነትና እንጸረሉ እዋን እዩ።