ኣብ ስደት ዝነብር ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ነቶም ምስኡ ንይምሰልን ንስለላን ኪጓዓዙ ጸኒሖም፡ ሕጂ ናብ ገዛኢኦምን መዋሊኦምን ህግደፍ ኢዶም ሂቦም ከይኣክል  ንደንበ ፍትሒን ንኣባላቱን ዘፈራርሁን ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ጽልኢን መጥቃዕቲን ዝጉስጉሱን ዘለዉ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ፍሉይ ኣድህቦ ሂቡ ብሕጊ ናይቲ ዝነብርሉ ሃገር ኪተሓሓዞም ምንጭታት ኤሪሳት ደጊሞም ጸዊዖም።

ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን-ኣመሪካን ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ክንሶም ፖለቲካዊን ፕሮፖጋንዳዊን መሓዉር ናይቲ ዘሳደዶም ህግደፍ ዝኾኑ ዉልቀሰባት ጉዳዮም ብዕቱብ ተታሒዙ ሕጋዊ መኣደብታ ዝረኽብሉ ኩሉመዳያዊ ጻዕርታት ኪቃናዕ ኣገዳሲ እዩ።
እቶም ኣብ ደንበ ፍትሒ ኔርና ደንበ ፍትሒ ብጓኖት ስለዝተጨውየ ግን ምስ ህዝብናን መንግስትናን ወጊና ዝብል ሌጣ ምኽኒት እንዳድመጹ ደንበ ፍትሒ ከምዘይ ናይ ህዝቢ ንምጽላሙ ንምዕናውን ፡ ካብ ህግደፍ ዝተዋህቦም ጎስጓስ ዝደግሙ ዘለዉ ከዳዓት ኩነታቶም ተጸኒዑ ፖለቲካዊ ዑቕባኦም ዳግም ንኽምመ ዝደፍኡ ሕጋዊ ስራሓት ብኹሉ ኣባል ደንበ ፍትሒ ኪጉየየሎም ከምዘለዎ እዮም እቶም ምንጭታት ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዉሽጢ ፖለቲካዊያንን በርጌሳዉያንን ኣሃዱታት ደንበ ፍትሒ ኾይኖም ነዊሕ ዝተዋስኡ እቶም ወገናት ክድዓቶምን ንምኽዋል ህግደፍ ኣብ ዝለኣኾም ኪነጥቡን ክጽይቚን ምዃኖም ኣስተብሂልና  ብኣጋኡ ብሕግታት ናይተን ዝነብሩለን ዘለዉ ሃገራት ኪንመዓቶም እዋኑ እዩ።
ንቃልሲ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኽጐሱ ዝጸንሑ ተወላወልቲ ክድዓቶም ንደንበ ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራን ዓቢ በረኸት እኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባና ኮይኖም ክጽይቕዎ ንዝኽሉ ጉዳያት ብኣጋኡ ንምክልኻል ግን  ኣብ ልዕሊኦም ተሪር ሕጋዊ ቀይዲ ከምዝህሉ ምግባር ከድሊ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ  ከም’ቲ ናይ ልኣላውነቱ ሓርነቱ ንምርግጋጽ ኣብ ዝሃልኮ ዘሎ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ፡ ካብን ናብን እንዳተጻፍዑ ኽዋስኡ ዝጸንሑ ኣምሰልቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ መን ምዃኖም ብዓውታን ብርእዮን ኣፍሊጦም ስለዘልገሱ  ኣብ ደንበ ፍትሒ ነዊሕ እዋን ተጸሚኡ ዝነበረ መንፈስ ሓባራዊ ዕዮ ይዛይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ብውሽጢ ነዊሕ ዘቋሰልዎ ባእታታት፡ ግዜኦም ኣኺሉ ስለዝወጽሉ  እንሆ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ተግባራዊ ቃልሲ ዓሲሉ ዓወት ይደራርብ ኣሎ። ጉዕዞ ኤርትራዊ ቃልሲ ንፍትሒ ሓርጓጽ ኾይኑሉ ዝጸንሐ ቀንዲ ምኽንያት ልቦም ዘየውደቚን ወቕቲ ዘሰንፎምን ተወላወልቲ ኣብ ማእከሉ ሓቚፉ ብምጽሑ ጥራይ ምዃኑ ምንጭታትና ብተደጋጋሚ ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም።