ሕቡራት ሃገራት ብ14 ሕዳር ነቲ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ዝብእስ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰት እትምርምር ጉጅለ ድሕሪ ምጥያሱ ምስታ ጉጅለ ኪተሓባበሩ ድልዋት ምህላዎም ኣዘዝቲ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ይሕብሩ ኣለዉ።
ምክትል ኣዛዚ እቶም ሓይልታት ሓዉ ንሓመቲ ፡ ዓብደልርሒም ዳጋሎ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ብፍላይ ንተወለድቲ ቀቢላ መሳሊጥ ኣነጻጺሩ ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ ቅትለትን ካልእ ግህሰታትን ንምምርማር ብሕቡራት ሃገራት ተጣዪሱ ንዘሎ ጉጅለ ዘድሊዮ ደገፍ ኪገብር ምዃኑ ኣነጺሩ ኣሎ።
ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ዝሓለፉ ሰሙናት ንርእሰከተማ ምዕራባዊ ዳርፉር ዝኾነት ኢል ጀኔና ድሕሪ ምቊጽጻሮም ኣብ’ቲ ከባቢ ቀቢላዊ ህልቂት ዓመጽን ይብእስ ከምዘሎ ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ብተደጋጋሚ የወጹ ከምዘለዉ ድሕሪ ምዕዛቡ እዩ ሕቡራት ሃገራት ነታ መርማሪት ጉጅለ ኣጣዪሱ ዘሎ።
ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ኣብ ማእከላይ ከባቢታት ዞባ ካርቱምን ኣብ ዝበዝሐ ሸነኻት ዳርፉርን ብዙሓት ከባቢታት ይምንዝዑ ምህላዎም ዝግለጽ ኮይኑ ኣብታ 5 ንኡሳት ዞባታት ዝርከባላ ዳርፉር ጥራይ ዛጊት ን3 ርእሰከተማታት እተን ንኡሳን ዞባታት ምቊጽጻሮም ይዛረቡ።
በቲ ሻውዓይ ወርሑ ኣሕሊፉ ዘሎ ኩናት ሕድሕድ ሱዳን ዛጊት ህይወት ልዕሊ 9,000 ሰላማውያን ሰባት ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ ዓስርተታት ኣሽሓት ካልኦት መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።
ኣቐዲሙ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዘካፈሎ ኣሃኣዊ ጸብጻብ እውን ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ሱዳን ክፈናቐል እንከሎ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ካልኦት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ከምዘለዉ እዩ ዝፍለጥ።
ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ዛጊት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር። ክልቲኦም ወገናት ደገፍቲን ዘራያትን ኣዉሒሶም ኣብዚ ኲናት ናይ ኣነ ይሰማዕን ኣነ ይሕይልን መንፈስ ኪዉንኑ ይረኣዩ ብምህላዎም እቲ ጉዳይ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ይዂን ሓያላት ሸምግለቲ ፍታሕ ኪርከቦ ኣዝዩ ኣጸጊሙ ከምዘሎ እዪ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ።