መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ምስ ርዋንዳ ዝኣተዎ ውዕል ስደተኛታት ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ናይ መወዳእታ ዉሳኔ ድሕሪ ምሕላፉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣታ ሃገር ሪሺ ሱናክ እቲ ዉዕል ትንፋስ ዘሪኡ ተግባራዉነቱ ክሳብ ዝረጋግጽ ከዕርፍ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ነቲ ኣቐዲሙ’ዉን ብናይ ይግባእ መጋባእያ ዝተነጽገ ዉዕል፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ምኳኑ ብ15 ሕዳር ደምዳሚ ዉሳኔ ድሕሪ ምሕላፉ እዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ ገና ነቲ ዉዕል ንምዕዋት ዓጸፋ ክጽዕር ምዃኑ ዝሕብር ዘሎ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ርዋንዳ ከም ዉሕስቲ ሃገር ኪትውሰድ ከምዘይትኽእል ብምጥቃስ እዩ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ብፈረድቲ ናይ ይግባይ መጋባእያ ዝተዋህበ ተመሳሳሊ ምጉት ብምስዓብ፡ ነቲ ውሳኔ ኣሕሊፉ ዘሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ መንግስቱ ንርዋንዳ ከም ዉሕስቲ ሃገር ዘፍልጣ ሕጊ ከርቅቕን መንግስቲ ሩዋንዳ ድማ ነቶም ካብ ብሪጣንያ ዝቕበሎም ሓተቲ ዑቕባ ናብ ትዉልዲ ዓዶም ክመልሶም ከምዘይኮነ ዘተኣማምኑ ሕጋዊ ጽገናታት ንኽገብር ጸቒጡ ኪሰርሕ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ ዘሎ።
ብዘይካ’ዚ ብሪጣንያ ምስ ርዋንዳ ዝተመሓየሸ ዉዕል ስደተኛታት ንምኽታምን ከም ቤትፍርዲ ኤውሮጳ ዝበሉ ግዳማውያን ኣካላት ድማ መንግስቲ ብሪጣንያ ብጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዘቃንዖም ዉሳኔታት ኢዶም ከየእትዉ ዝኽልክል ህጹጽ ሕጊ ንምጽዳቕ ይሰርሕ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ ይሕብር።

እቶም ብቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ ዝፍከረሎም ዘለዉ ሓደስቲ ተበግሶታት  ሕጋውነቶምን ተግባራውነቶምን ኣብ ሓጺር እዋን ኪረጋግጽ ዘየኽሉ ኣዝዮም ብዙሓት ብድሆታት ከምዘለዉ ግን ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሃገሩ ዘብል ዋሕዚ ዘይሕጋዉያን ስደተኛታት ንምኹላፍ ዛጊት ዘንቀሎም ፖሊሲታት ኣብ ባይታ ዝኾነ ውጽኢት ከምዘየመዝገቡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዓቃባዊ ሰልፊ ብመትረብ እንግሊዝ ናብ ብሪጣንያ ንምታእታው ብጀላቡ ዝካየድ ስልኳ-ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ከም ርዋንዳ ዝበላ ሃገራት ዝተፈተነ ውዕላት ድማ ብዘይፍረ ይሃጒ ከምዘለዉ ክሕብር ጸኒሑ እዩ።
ብመትረብ እንግሊዝ ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝኣትው ስደተኛታት ብዝሒ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይተዓጻጸፍ ከምዘሎ ኣብ 2018 ትሕቲ 300 ስደተኛታት ዝስሎኹሉ እቲ ማያዊ መስመር ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ልዕሊ 45 ሽሕ ከምዝኣተውሉ ይንገር።