ኣብ ቂም ምፍዳይ ሕነን ህልኽን ዝተላዕጠጠ ስትራተጂ ፖለቲካ ጉጅለ ህግደፍ  ንኤርትራን ህዝባን ካብ ቀጻሊ ኲናት ህልቂትን ስደትን ከዕርፎም ከምዘይኮነ ምንጭታት ኤሪሳት ሓቢሮም። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንኣንነት ዘቐድም ኣንዊሑ ዘየስርሕ ዞባዊን ኣህጉራዊን ዲፕሎማሲ እንዳውፈረ ነዊሕ ከይከዱ ኲናት ዝመዙ ዝምድናታት ኣንዳመስረተ  ኤርትራን ህዝባን ኣብ ሰንሰለታዊ ተነጽሎን ኲናት ጎረባብትን ኪርመሱ ይገብር ከምዘሎ እዮም እቶም ምንጭታት ኣተሓሳሲቦም።

ህግደፍ ብፍላይ’ቶም ናብ ኢትዮጵያ ዘነጻጽሮም ጽምዶታት ሰረት ዝረስዑን ሓጸርቲ ዕላማታትን ሕዱራት ቂምታታትን ንምዕጋብ ጥራይ ዝነቕሉን ኮይኖም ነዚ ንምርዳእ እቲ ንህወሓት ንምድቓቕ ጥራይ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመስረተ ዘይቅዱስ ኪዳን ሕጂ እንታይ መዘዝ ሒዙ መጽዩ ከምዘሎ ምዕዛብ እኹል ኣብነት እዩ።

ኢሳያስን ኣብይን ድሕሪ ምድኻም ወያነ ኪቃደዉ ከምዘይከኑ ኣንዳዕዲዖም ፈሊጦም ከምዝተመሓዘዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ምሕዝነቶም ክሳብ’ቲ ዘራኸቦም ጉዳይ ዝጻፈፍ ጥራይ ዝጸንሕ ብምንባሩ ኣብ ጉዕዞ እንዳተቐዳደሙን እንዳተጐራርሑን እዮም ክመጹ ጸኒሖም። እቶም ክልተ መራሕቲ ድሕሪ ምድቓቕ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ናብ ዲቕ ዝበለ ንኩነታት እዚ ዞባ ፈጺሙ ዝቕይር ኲናት ኪኣትዉ ምዃኖም ብሓያሎ ወገናት ክእመት ጸኒሑ እዩ።

ድሕሪ ዉዕል ፕሪቶርያ  ካብ ህዝቢን ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ክመጾ ዝኽእል ጸቕጢን ጠለብን ኣፍሪህዎ ኣብ ስቅቕታ ዝጸንሐ ህግደፍ ንህዝቢን ሰራዊትን ኣብ ቀጻሊ ኲናት ቈሪንካ ቀጻልነት ስልጣን ንምውሓስ ሓድሽ ግጭት ክጽሕትር ምዃኑ እዉን ርጉጽ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንኣንነቱን ቂሙን ከዳቕስ ኽብል፡ ንራህዋን ልዕልናን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ጸላም ደርቢዩ ከምዘሎ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት እዚ ሕጂ እቲ መራሒ ጉጅለ ምስ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝህወኸሉ ዘሎ ሓድሽ ኲናት፡ ተወሳኺ ህልቂት ህዝቢ ኤርትራ ምስፈጠረ እዉን ካልእ ጸላኢን ካልእ ምኽኒትን ተመስሪሑ ህዝቢ ኤርትራ ንተመሳሳሊ ህልቂት ክጽዋዕ ምዃኑ የረጋግጹ።

ንኤርትራ ትካላዊ ተሓታትነት ዘይብላ ናይ ባዕሉ ገደና ቀይርዋ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንዉልቃዊ ዊንትኡን ንዘዘሕረቕዎም መንግስታት እዚ ዞባ ብረጽሚ ኽመላለስን ዕድሚኡ ሓንኲዂ ንሃገርና ኣብ ተስፋ ዘቚርጽ ድሕረት ኣሰልኪዩዋ ምህላዉ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ሰንሰለታዊ ጸገም ኪወጸሉ ዝኽእል እንኮ መነገዲ ነዚ ንሃርን ከዕኑን ንህዝባ ከጽንትን ሽምግልና ኣርኪብዎ ዘሎ ድሑር ስርዓት ካብ ስልጣን ምስጓግ ምዃኑ የገንዝቡ።