ንመራሒ ህግደፍን መላኺ ጉጅለኡን ምቅዋምን ደዉ ምባልን ማለት ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምዉፋር ዘይዃኑ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝብና ኣጸቢቚ ይርድኦ ኣሎ።

ህግደፍ፡ እቶም ከም ጸላእቲ ህዝቢን ሃገርን ከምኡ’ዉን ዕሱባት ናይታ ኣብ ስልጣን ዘየላ ወያነ ኣምሲሉ ብምጽላም ከጓንዮም ክፍትን ዝጸንሐ ኤርትራዉያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ንሓቀኛ ራህዋ ህዝቦም ዘይደቀሱ ሃገራዉያን ምዃኖም ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ዝበዝሐ ህዝብና ተረዲኡዎ ይርከብ።
ምልኪን ስቓይ ህዝቡን ዝደገፈ ዜጋ ከም ከም ዉፉይ ሃገራዊ ንህዝቡ ካብ ምልኪ ከድሕን ዝደክም ዘሎ ድማ ከም ከዳዕን ዕሱብን ንኽርአ ህግደፍ ንልዕሊ 30 ዓመታት ከይሰልከየ ኪጉስጉስ ጸኒሑ እዩ።

ኤርትራዊ ዜጋ ንሃገሩ ብዘለዎ ፍቕርን ብዝኸፍሎ ኹሉዓይነታዊ መስዋእቲን ዘይኮነ፡ ንመራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዘርእዮ ሕሉፍ ተማእዛዝነት ጥራይ ሃገራዊ ዝበሃለላ ኤርትራ ተፈጢራ ምህላዋ ምንጭታት ኤሪሳት ደጊሞም ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ፡ ሓሶትን ተገዛእነትን ከም መለለዪ ሕሉፍ ሃገራዉነት ንምስማሩ ነዊሕ ዓመታት ክሰርሕ እዩ ጸኒሑ።

ህግደፍ ኣብ ዝገዝኣ ዘሎ ኤርትራ  እቲ ህይወቱ፡ ኣካሉ፡ ገንዘቡን መጻኢኡን ብቕንዕና ንሃገር ዘወፊ ዜጋን እቲ ሓርነት ኪነግስ ዝቃለስ ዘሎ ወገንን ዝተሓተ ዋጋ እንዳተዋህቦም፡ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ኮይኑ ብሓሶት እንዳመስከረ ጣዕሚ ናብራኡ እንዳሓለወ ንመራሕቲ ህግደፍ ዝድግፍ ዜጋ ግና ከም ብጹእ ሃገራዊ ጌርካ ናይ ምቕራብ ባህሊ ነጊሱ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ትርጉም ጅግንነትን ሃገራዉነትን ብዓቄትነትን ፈራህ-ተማእዛዚ ብምዃንን ተተኪኡ ፡ ፈራህን ተገዛኢን ሕብረተሰብ ምህናጽ ካብ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ህግደፍ “ሃገራዊ ህንጸት” ዝብሎ መስርሕ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

ደልይቲ ፍትሒ ኢና ኢንዳበሉ ንዓመታት ብስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኸላግጹ ዝጸንሑ ገለ ውሑዳት ተወላወልትን ንኤርትራ ንጣብ ዘየበርከቱላን ኣብ ሕሉፍ ገድላ ከይተረፈ ከዲዖም ዘስተለሙን ሓያለ ደገፍቲ ህግደፍን፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ንነብሶም ከም ሕሉፋት ሃገራዉያን ብምቚጻር ፡ ነቲ ሓቀኛ ሃገራዊ ብጥልመትን ክድዓትን ሃገር ኪኸሱም ከናእሱን ዘድፍሮም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ጉጅለ ህግድፍ ነዲቕዎ ዘሎ ወገናዊ ሃገራዉነት ንኸምኦም ዝበሉ ምስሉያት ጥራይ ዝሓቊፍ ብምዃኑ እዩ።

ቅድም ምስ ጓኖት ገዛእቲ ኮይኖም ሃገሮምን ሃዝቦምን ዘሳቐዩ ዜጋታት፡ ሕጂ ምስ ናይ ዉሻጠ ገዛኢ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ጸገም ህዝቢን ሃገርን ክዕልሉ ከምዘይከብዶም ፍሉጥ ኮይኑ ፡ ንምስሉይን ተበላጺን ጥራይ ዘሳሲ ጸቢብ ሃገራዉነት ህግደፍ ዕምሩ ምስ ኣኸለ ዝኸፍልዎ ዕዳ ከምዝህሉ ኣይርሳዕን ።