ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰራሕተኛታት ልምዓታዊ ባንክ ኣፍሪቃ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ዝተሓወሶ ማእሰርቲ ንመንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ዲፕሎማስያዊ መቕጻዕቲ ከስዕበሉ ከምዝኽእል ይሕበር ኣሎ። ብ16 ሕዳር ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንክልተ ሰራሕተኛታት ናይታ ኣብታ ሃገራ ገዘፍቲ ልምዓታዊ መደባት ዝምዉልን ዝድግፍን ባንክ ብዘይሕጋዊ መንግዲ ኣጋፊዖም ከምዝኣሰሩ ካብቲ ትካል ብቕልቱፍ ናብ ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ ዝተላእከ ቅልጡፍ ጥርዓን ግና ሻቡ ከምዝተፈትሑ እዩ ተፈሊጡ።

እቲ ፍጻሜ ንምስሊ እቲ ካብ ዞባዉያንን ኣህጉራዉያንን ልምዓታዉያን ኣካላት ገንዘባዊ ደገፍ ኪወሓሰሉን ዕዳታት ክስረዘሉን ኣብ ጻዕሪ ዝርከብ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ብርእዮ ዘዕኑን ብዙሕ ክሳራታት ከስዕብ ተኽእሎ ዘለዎን ምዃኑ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዝብቲ ዝሕብሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ዝካየዱ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን መጭወይቲን ከም ልምዲ እንዳተወስደ ይኸይድ ከምዘሎ ኣዮም ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻ  ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ድማ ብፍላይ ዝወቅስ።

ንኹሉ ኣካይዳታት መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ዝተላመደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ  ካብ ህዝቢ ንዝመጻ ኩነኔ ይዂን ዘይዕጉብነትን ብሓይሊን ብራዕዲን ናይ ምፍታሕ ሜላ መሪጹ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሕብሩ እቶም ተሓለቕቲ በቶም ካብ ተሓታትነት ዘርሓቐ ዝመስል ስልጣን ተዋሂብዎም ዘሎ ናይ ጸጥታን ድሕነትን ኣሃዱታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፍጸሙ ገበናትን በደላትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይብሱ ምህላዎም የማርሩ።

እዚ በደላት እዚ ናብ’ቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ኤርትራዉያን ኣንዳተቓረበ ይመጽእ ከምዘሎ እውን ይሕበር። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብዘይሕጊ ክእሰሩን መሰላቶም ኪግፈፍን ምርኣይ ይልመድ ከምዘሎ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጸብጺቡ ነይሩ።