ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብፍሉይ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲኤት ክሰድድ ጀሚሩ እንዳተባህለ ኣብ ከም ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ካብ ጥሜትን ከቢድ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባትን ከምዘይተገላገሉ ይግለጽ ኣሎ።

ስለዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ ነዞም ኣብ ቀጻሊ ጸገም ዝርከቡ ወገናትና ብተግባር ኪሕግዝን ጉዳዮም ኣቓልቦን ፍታሕን ክረክብ ድማ ኣጽዒቚ ኽጉስጉስን የድሊ ኣሎ። እዋናዊ ኩነታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ በቲ ሓደ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ህግደፍ ጀሚሮሞ ዘለዉ ምትፍናን ድማ በቲ ካልእ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብቐንዱ ድማ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ኤርትራዉያን ዓጸፋ ይሃስዩም ኣሎ።
ንድሕነት ስደተኛታት ይሰርሕ እየ ዝብል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንሕሱም ኩነታት እቶም ስደተኛታት ሱቕ ኢሉ ክዕዘ ምምራጹ ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣብ’ቲ መዓስከር ዕለታዊ ዝብእስ ዘሎ ስቓይ እቶም ስደተኛታት ክትኣምኖ ዘጸግም ኣንዳኾነ ንምምሕያሹ ዛጊት ዝኾነ ጻዕሪ ኣየርእን ዘሎ።

ጠቕላላ ብዝሒ ነበርቲ እቲ መዓስከር ኣብዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ 23 ሽሕ በጺሑ ከምዘሎ UNHCR ባዕሉ ኣብ ዝደኮኖ መዓስከር ሰሪቱ ንዘሎ ሕሰም ክርስዕ ምምራጹ ድማ ኣብ’ቲ ኣህጉራዊ ትካል ንዘሎ ዘይተሓታትነት ዘረጋግጽ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ኣለምዋጭ ዝርከቡ ወገናትና ብጥሜት ሕጽረት ጽሩይ ማይ መጽለሊን ስእነት ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ዝሕበር ኮይኑ፣ UNHCR ይዂን ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንስደተኛታትን ተመላሶን ነቲ ጸገም ካብ ምፍታሕ ኣርሒቖም ይርከቡ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ቅልዉላዉ  ድሮ ኣብ ከቢድ ጸገም ናይ ዝጸንሑ ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሰብኣዊ ኩነታት መሊሱ ይሓስም ምህላዉ ምንጭታትና ክሕብሩ ቀንዮም እዮም። ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ክልል ኣምሓራን ናብ ከም ጎንደርን ካልን መቓርብቲ ከባቢታትን ልሒሙ ብምህላዉ እቶም ብኣካላት መንግስቲን UNHCRን ተረሲዖም ብሕሱም ጥሜትን ቀጻሊ ራስያን ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡ ወገናትና ሽግሮም መሊሱ ይጋደድ ምህላዉ እዩ እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ዘረድእ።

ኣብቲ ሓድሽ መዓስከር ዝርከቡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራዉያን ስደተኛታት  ብዘይካ’ቲ ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ህይወት ተጣሪዖም ዝሓልፍዎ ሕሱም መነባብሮ ብቀጻሊ ስርቂን ርስያን ይሳቐዩ ምህላዎም ብተደጋጋሚ ኪግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት በቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ፈደራልን ዝንህር ዘሎ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ስደተኛታትን ግህሰታት ክዛይድ ይገብር ከምዘሎ ዝሓልፈ ብ14 ነሓሰ ኣብ ዘዉጸኦ መግለጺ ኣተሓሳሲቡን መስኪሩን እዩ።

ምዕጻዉ መሰመራት መጓዓዝያ ነቲ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝባጻሕ ሰብኣዊ ረድኢት ኣባዂሩዎ ከምዘሎ ዘተሓሳሰበ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዳባት ናይ ጎንደር ኣብ ዘሎ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ሕሰም ከምዝርከቡ ኣነጺሩ እዩ።