መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ’ቲ ንዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ቀጻሊ ዘልዕሎ ዘሎ ጉዳይ ዝተተሓሓዙ ዉሽጣዊ ሰሚናራት ምቅናዕን ምዉዳብን ይቕጽሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ። ብ18 ሕዳር ኣብ ዪኒቨርሲቲ ኣዲስ-ኣበባ ብትካል መጽናዕትታት ኢትዮጵያ ዝተወደበ ንሓያሎ ምሁራን ማያዊ ስነፍልጠትን ምሕደራን እታ ሃገር ዓዲሙ ዝተኻየደ ሰሚናር ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ።
ተዛተይቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እትረኽበሉ ሕጋዊ ዲፕሎማስያዊን ካልኣዊን ኣማራጺታት ኪድህስሱ ዝተራእዩ ኾይኖም እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተላዕሉ ዘሎ ጉዳይ ንጸጥታ እዚ ዞባ ኣብ ሓደጋ ንምእታውን ኣብ ልዕሊ ልኣላዉነት ጎረባብቲ ሃገራት ጥሕሰት ንምፍጻምን ዝኾነ ጥሙሕ ከምዘይብሉ ክምጉቱ እዮም ተሰሚዖም።
ኣብ’ቲ “ርትዓዊ ተጠቃምነት ወደባት ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝተቓንዐ ናይ 18 ሕዳር ዋዕላ ኣማኻሪ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያን ኣብላ ተዛታዪት ጉጅለ ዲጋ ሕዳሴን ዝኾነ ኢብራሂም እድሪስ ብዙሓት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ምስ’ተን ባሕሪ ዝዉንና ጎረባብተን ተረዳዲኤን ተጠቃምነት ከውሕሳ ከምዝረኣያ ዮዳኖስ መሬት ሂባ ካብ ስዑድያ ወደብ ከምዝወነነት ኣብ 1988 ድማ ኣንጎላ ብስምምዕ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ወደብ ከምዘውሓሰት ዘዘኻኽሩ ኣብነታት ከም መመጐቲ ኣምጺኡ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ እተውሕሰሉ ንኹሉ ዘርብሑ ጽምዶታት ኪፍተሹን ክጸዓረሎምን ከምዝግባእ እዩ ኣተሓሳሲቡ።
መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደብ ወይ ገምገም ንምውናን ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ንምምሳሉ ተወሳኺ ሜላታት የቀላቕል ምህላዉ ክሕብር ጸኒሑ እዩ።
እዚ መንግስታውያን ትካላት ትምህርቲ መጽናዕቲን ከምኡ’ዉን ዲፕሎማስያዊ መሓዉራት፡ ኣኼባታትን ዋዕላታትን ብምቅናዕ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ህላዌን ጽልዋን ንምውሓስ ኣበርቲዓ ኪትሰርሕ ዝጽውዑ ሰነዳትን ዉሳኔታትን ወግዓዊ ናይ ምግባር ሃቐነ ከም ልምዲ ተወሲዱ ብቐጻሊ ይስረሓሉ ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ።
ዝሓለፈ 24 መስከረም ፡ ትካላት መጽናዕቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ኮሌጅ ሚኒስትሪ ምክልኻልን እታ ሃገር ኣብ መፈጸምታ ኢትዮጵያ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ዋንነት ወድብ ኪህልዋ ኪትጽዕት ኣትሪሩ ዝምሕጸን ዉሳኔ ዘሕለፈ ሓባራዊ ዋዕላ ኣካይዶም ምንባሮም እውን ኣይርሳዕን።
ኣብቲ ዋዕላ ኢትዮጵያ ካብ ፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ኽትንጽላ ኣይከኣልን’ዩ ዝብል ድልዱል መርገጺ ብግህዶ ክደጋገም ተሰሚዑ እዩ።
ኢትዮጵያ ናብ ደንበ BRICS ትጽንበር ምህላዋ፡ ነቲ “እታ ሃገር ግድን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ባዕላ እትዉንኖ ኣፍደገ ክህልዋ ኣለዎ” ዝብል ሕልሚ ዓጸፋ ዝደፋፍእ ከምዝኸውን እዉን ኽንገልጽ ቀኒና ኢና። “ናብ ሓደ ገዚፍ ቊጠባዊ ደንበ እንዳተጸንበርካ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብልካ ኣዝዩ ክኸብድዩ” ዝብል ምዕዝምዛማት ኣብ ዉሽጢ ሰልፊ ብልጽግና ይንህር ከምዘሎ እዉን ይፍለጥ።
ካብ ወግዓዉያን መግለጺታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ጀሚርካ ክሳብ ላዕለዎትን ታሕተዎትን መሪሕነት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ንዋንነት ወደብ ዓሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝሓለፎ ድፍረት ብዙሕ ዘረባታት የምልቚ ከምዘለዉ ዝግለጽ ኮይኑ ብፍላይ እቲ ወደብ ዓሰብ ብሕጋዊ ወይ ድማ ብሓይሊ ናይ ምዉናን ሓሳብ ከም ዘየሕፍር ተወሲዱ ኣሎ።