ኣብ ግዜያት ምምስራት ህውኽን ምስጢራዊን ምሕዝነት ኢሳያስን ኣቢይን ዝፈለጥዎ ዘይብሎምን እቲ ብምስጢር ዝተኣትወ ኪዳን ክሳብ ክንደይ ዕንወት ከኸትል ምዃኑ ብሓላፍነት ከይሓሰቡን እንደዓለሉ ዘጣቕዑ ዝነበሩ ደገፍቲ ሕጂ ምስቲ ባዕሉ መምጽኢ ነገር ዝኾነ ጉጅለኦም ጉጅለ ህግደፍ ኮይኖም ብዛዕባ መሬታዊ ሓድነት ኤርትራ ኪማጐቱን ናይ ተጠሊምና መንፈስ ከንጸባርቚን ዝኾነ ሞራላዊ ብቕዓት ከምዘብሎም ምንጭታት ኤሪሳት ደጊሞም ኣተሓሳሲቦም።
ህግደፍ ትማል ትማል ንሃገር ዘሽይጥ ሸለልትነት ዝበዝሖ ስትራተጂካዊ መብጸዓታት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እንዳኣተወሉ ባንዴራታት ኢትዮጵያ ተሸብሊሎም ብኣምሓርኛ ዝድንክሩ ዝነበሩ ደገፍቲ ኣብዚ ሰዓት እዚ ሓለይቲ ህዝቢን ሃገርን መሲሎም ዓጸፋ ክታረኹ ነቲ መብጸዓ ተኣትዩሉ ኾይኑ ድዩ ወይ’ስ ዘቤታዊ ነውጹ ንምጥምዛዝ ናይ ማያዊ ግዝኣት ፖለቲካ ኪጻወት ጀሚሩ ዘሎ ኣቢይ ኣሕመድ ብጸርፊን ዘለፋን ክሰሃልዎ ክትርኢ ከለኻ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናን ደረጃ ኣተሓሳስባን እቶም ደገፍቲ ክትፍትሽ ዘገድድ እዩ።
ዉሽጣዊን ታሪኻዊን ጥሙሕ መራሒኦም ኣጸቢቘም ዘይፈልጡ ደገፍቲ ህግደፍ መራሒኦም ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ዝሓንጠጦም ውዕላት እንታይ ይብሉ ምንባሮም ኪሓቱ ይኹን ክመራመሩ ድፍረት ስለዘይብሎም እዮም፡ በቢወቕቲ ኣብ ዝተኸፈትሎም ጸወታን ዉዲትን ኢሳያስ ንቕድሚኦም ኪኸዱን ዝተባህሎም ጥራይ ከድምጹን ዝረኣዩ ዘለዉ።
ኣብ ባይታ ንዘሎ መሰረታዊ ጌጋ ኪሓቱን ንምምሕያሻ ኽጠልቡን ዝነኣሰት’ውን ትኹን ትብዓት ትዉሕዶም እቶም ደገፍቲ ኣብ’ዚ መራሒኦምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ተመሻጢሮምን ነዲፎሞ ዘለዉ ሓድሽ ኲናት ከብ ቀድንዲ መጓሃሃርቲ ኾይኖም ከየዕረፉ ክሽቅሉ ክንዕዘብ ኢና ።
ብዛዕባ ናይ ሕጅን ጽባሕን ኩሉዓይነታዊ ድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ብሓቂ ዘገድሶን ዘሻቕሎን ዜጋ ኣብ ደንበ ህግደፍ ክጽንበር’ሲ ይትረፍ ንሓጺር ኣዋን ክቕኒ’ዉን ዘኽእሎ ዓቕሊ የብሉን። ስለዝኾነ እቶም ኣብ ደንበ ህግደፍ ኪሕብኡ ዝመርጹ እቶም ሕልናኦም ቀቲሎም ንምልኪ ተንበርኪኾም፣ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሰንሰለታዊ ኲናትን ስደትን ኽትባድም ዝተሓባበሩ ዘለዉ ደገፍቲ ጥራይ እዮም።