ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜናኡ ገይሩ ዘጋውሖም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዉጹእ ሓደጋ ከምዘለዉን በብዝጥዕሞም መንገዲ ካብታ ሃገር ከርሕቚን ዝደፍኡ ዜናታት፡ ንሓያለ ኣብ ኢትዮጵያ ብቐድንዱ ድማ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብሩ ወገናትና የደናግሩ ምህላዎም ተሓቢሩ።

በቶም ዜናታት ዝተሰናበዱ ሕያለ ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዘይመደቦም ይኣትው ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምርሓቕ ዘይውሑሳት መንገድታት ሃሰዉ እንዳበሉ ድማ ግዳይ ዝተፈላለየ ምዝመዛ ይዀኑ ምህላዎም እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።

ህግደፍ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብር ኤርትራዊ ስድተኛታ ኣብ ሓደጋ ንምዉዳቕ ብመንገዲ እተን መሓዉራት ዜና ከምኡ’ዉን መልእኽተኛታት ፡ ዘሰንብዱ ወረታት ይነዝሕ ከምዘሎ ይሕበር። እቶም መሓዉራት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበረቲ ኣዲስ-ኣበባ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላሊይዎም ከምዘሎን ናብ ዝቐረበሎም ሃገር ኪሃድሙ ከምዘለዎምን ዘተሓሳስብ ዝተፈራረቐ መጠንቀቕታ ኣብ ምርባሕ ወፊሮም ከምዘለዉ ኣይርሳዕን።

ኩሉ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብር ኤርትራዊ ክሳብ ሕጋዊ ሰነዳቱ ሒዙ ከም ስደተኛን ዑቕበኛን ከማልኦ ዝግባእ ቅጥዒ ሓሊዩ ዝኸደ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኪበጽሖ ዝሕኽእል ሓደጋ የለን። ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ – ንመግለጺታትን መጠንቀቕታታትን ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ህግደፍ ኣሚኖም ኪረባበሹን ኪሃድሙን እንተተራእዮም ግን፡ እንታይ ዘህድም ነገር ስለዝፈጸሙ እዮም ዝብል ገዚፍ ጥርጣሬ ኣብ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከስርጽ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

ገለ ኣብ’ታ ከተማ ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናይ መን ከይትንክንፈና መንፈስ ኣጥርዮም፡ ንምስሊን ድሕነትን ናይ ዝበዝሐ ወገን ኣብ ሓደጋ ዘውድቚ ንጥፈታት ከተግብሩ ክደፍሩ ብምጽንሖም ህዝቢ ኣዲስኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዝጸንሖ ኣኽብሮት ንኽሃስስ ኣሉታዊ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም እዉን ኣይርሳዕን።

ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነበርቲ ኢትዮጵያ ካብ ጸርጊ ናይዚ ኣቢን ኢሳያስን ነናይ ዉልቆም ጥቕሚ ንኽሕልዉ ብቕልጡፍ ዘሐሽርዎ ዘለዉ ኩነታት ኽገላገሉ  ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ይዂን ንመሰል ስደተኛነቶም ኣብ ሓደጋ ዘዉድቕ ተግባር ከርሕቚ ኣገዳሲ እዩ።